ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባ.ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ሶማሌ በጺሓን


ኣምባ.ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ሶማሌ በጺሓን
ኣምባ.ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ሶማሌ በጺሓን

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትረሲ ኣን ጃኮብሰን ኣብ ክልል ሶማሌ ከባቢ ጎዴ ንዝርከብ ናይ ኣመሪካ መሳለጢ ሓገዝ ደርቂ በጺሐን።

ኣብ እዋን እቲ ዑደተን ምስ ናይቲ ክልል ፕረዚደንት ሙስጠፋ መሓመድ ዑመር: መሻርኽቲ ሰብኣዊ ጉዳያት ተዘራሪበን። ኣብ መዓስከር ሂግሎ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ'ውን በጺሐን። ነቲ ብኣመሪካ ዝካየድ ኣንጻር እቲ ኣብ ታሪኽ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ደርቂ ዝካየድ ጻዕርታት ተዓዚበን።

እተን ኣምባሳደር ምስ ፕረዚደንት'ቲ ክልል ኣብ ዝተዘራረባሉ እዋን ኣብ ክልል ሶማሌ ሓዊሱ ኣብ ኩለን ክልላት ብደርቂ ንዝተተንከፉ ንምሕጋዝን ደገፍ ኣመሪካ ከም ዝቅጽል ቃል ኣትየን። ኣመሪካ ከም ዝዓበየት ወሃቢት ሰብኣዊ ሓገዝ ንደርቂ ልዕሊ 110 ሚልዮን ዶላር ከምዝሃበን እዚ 3.6 ሚልዮን ሰባት ዝወሃብ ሓገዝ ዝሕውስ ምኻኑ ገሊጸን።

ኣምባሳደር ጃኮብሰን ተወሰኽቲ ለገስቲን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝልግስዎ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክውስኹ ጸዊዐን። ኦቻ ዝጠፍእ ህይወት ንምድሓን ክሳብ ሰነ 275 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዘድሊ ገሊጹ'ዩ።

እተን ኣምባሳደር ብተወሳኺ ነቲ ብህዝቢ ኣመሪካ ዝድገፍ ንሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ህጹጽ ሓገዝ ዝህብን መኽዘን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከም ዝበጽሓ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG