ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል መዓልቲ ህልቂት ኣይሁዳውያን ትዝክር


ሎሚ ሓሙስ፡ እስራኤል፡ ኣስታት 6 ሚልዮን ኣይሁዳውያን ዝተቐዝፉሉ ህልቂት ናዚ ዘኪራ ውዒላ። ኣብቲ ብበበይኑ ኣገባባት ዝተኸብረ ዝኽሪ፡ ሃሳስ ናይ ሓዘን መብራህቲ ብምውላዕ፡ ዘውርቲ መካይን ወሪዶም፡ ተጓዓዝቲ እግሪ ድማ ደው ብምባል ንግዳያት እቲ ህልቂት ዘኪሮም።

ኣብ ፓርላማ እታ ሃገርን ካልእ ቦታታትን እውን ተመሳሳሊ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት ተገይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነፍታሊ በነት ትማሊ ብዛዕባ’ቲ ዕለት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ህልቂት ኣይሁዳውያን ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ መዳርግቲ-ኣልቦ ብምዃኑ፡ ንዝዀነ ዝፍጸም ቅትለታት ምስቲ ክስተት ምውድዳሩ ደው ክብል ከም ዘድሊ ተዛሪቡ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝጠቐሰ፡ ፕረዚደንት ሩስያን ዩክሬንን ምስ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዘጋጠመ ሞት ብምውድዳር ከተኣሳስሩ ድሕሪ ምፍታኖም’ዩ።

እስራኤል ኣብ 1948፡ ብኻብ ህልቂት ናዚ ዝደሓኑ ኣይሁዳውያን’ያ ከም ሃገር ቆይማ። ኣብቲ እዋን 165-ሽሕ ዝበጽሑ ካብቲ ህልቂት ዝደሓኑ ኣይሁዳውያን ጥራይ’ዮም ኣብታ ዳሕራይ ሃገር ዝዀነት ቦታ ነይሮም።

XS
SM
MD
LG