ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

74 ረድኤትን ነዳዲን ዝጸዓና መካይን መቐለ ምእታወን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ


ሚንስትር ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ
ሚንስትር ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ

ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ካብ ዋና ከተማ ዓፋር ሰመራ ዝተበገሳ 74 ረድኤትን ነዳዲን ዝፀዓና መካይን መቐለ ምእታወን ሚንስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ዝፀሓፉዎ ቅሉዕ ደብዳበ ፀገማት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ድልው ምዃኖም ብምግላፅ እዚ እተዘይኮይኑ ግን ካልኦት ኣማራፂታት ንምርኣይ ከምዝግደዱ ገሊጾምም ነይሮም።

ዶክተር ለገሰ ቱሉ ብወገኖም ህወሓት ዘቕርቦ ክሲ ኵናት ንምቕፃል ካብዘለዎ ድልየት ዝብገስ እዩ ኢሎም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG