ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅትለት ደቀንስትዮ ኣብ ዝበዝሖ ቱርኪ፡ መንግስቲ ንተሓለቕቲ ማሕበራት ይዓጹ


ቅትለት ደቀንስትዮ ኣብ ዝበዝሖ ቱርኪ፡ መንግስቲ ንተሓለቕቲ ማሕበራት ይዓጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:37 0:00

ቅትለት ደቀንስትዮ ኣብ ዝበዝሖ ቱርኪ፡ መንግስቲ ንተሓለቕቲ ማሕበራት ይዓጹ

ቱርኪ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ እታ ዝበዝሐ ቅትለት ደቀንስትዮ ዝርኣየላ ሃገር’ያ።ሓደ ካብቶም ነዚ ተርእዮ’ዚ ዝቃለሱ “ቅትለት ደቀንስትዮ ደው ይበል” ዝብል ምንቅስቓስ፡ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ነዚ ማሕበር ክዓጽወሉ ኣብ ዝቀራረብ እዋን ድማ ሰፊሕ ተቓውሞ ኣስዒቡ ኣሎ።

ሰልፈኛታት ኢስታንቡል ስእሊ መብዛሕትአን ብሰብኡተን ኣዕሩኽተንን ዝተቐትላ ኣንስቲ ሒዞም ይርኣዩ። “We Will Stop Femicide Platform” (ቅትለት ደቀንስትዮ ዘስዕቡ ኣገባባት ደው ከንብሎ ኢና) ዝብል ምትእኽኻብ ሓደ ካብቶም ነዚ ጉዳይ ዝሕለቑ ምንቅስቓሳት ኰይኑ፡ እቲ ኣርእስቲ ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ መራሕቲ ክኸውን ክጽዕር ጸኒሑ።

ሕጂ ግን ህላወ እቲ ማሕበር ኣብ ሓደጋ’ዩ ዘሎ። ቤት ፍርዲ ቱርኪ፡ “ንኽብሪ ስድራቤት ዝጻባእ ምትእኽኻብ” ኢሉ ሰይሙዎ ኣሎ።

ንድሕነት ስማ ክዕቀብ ዝተመርጸ ተሰላፊት ሕርቃና ክትገልጽ እንከላ፤“ሕርቃነይ መጸሪ የብሉን። እዚ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝግበር ዓመጽ ዘጋድድ’ዩ። ኣንጻር ገበናት ኢና ንቃለስ ዘሎና፡ መንግስቲ ግን ኣይሓገዘናን። በዚ ምኽንያት ድማ ኣመና ተቖጢዐ ኣለኹ፡”ትብል።

እቲ ጉጅለ ካብ ኣብ ደገ ዝርከቡ ቱርካውያን ሰፊሕ ተቐባልነት ረኺቡ’ዩ። ነቶም ስራሖም ዘንጊዖም ወጽዓ ደቀንስትዮ ደው ከብሉ ዘይጽዕሩ ሰብ-መዚ ድማ ደጋጊሙ ከም ዝሓፍሩ ገይሩ’ዩ። ነተን ወጽዓ ዝወረደን ደቀንስትዮ ሕጋዊ ድጋፍ ክረኽባ’ውን ይሰርሕ።

ሕጂ ግን እቲ ማሕበር ብኣኽባር ሕጊ’ታ ሃገር ክዕጾ መስርሕ ፍርዲ ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ ማሕበር ከይዕጾ እትጣበቕ ዘላ ካልእ ኣባል ፊዳን ኣታሰሊም ድማ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪታ፤“ኣዝዩ ዘርዕድ’ዩ። እንድሕሪ ተኸልኪልና እንታይ ክመጽእ ምዃኑ’ውን ኣይኰናን ንዛረብ ዘሎና። ንሱ ተሪፉስ ንህላወና ኢና ንቃለስ ዘሎና። ነዚ ማሕበር ምዕጻው ምፍታን ማለት ንደሞክራሲ ምዕፋንን ንመሰል ደቀንስትዮ ምጽቃጥን’ዩ፡”ትብል።

ገለ ተንተንቲ፡ እቲ ተበግሶ ፕረዚደንት ረጂብ ጠይብ ኤርዶዋን፡ ዓቃባዊ መንግስቶም ዘደልዱሉ ብልሓት’ዩ ኢሎም ይገልጹዎ። መንግስቲ ግን ነቲ ነቕፌታ ኣሉታዊ ምላሽ ይህበሉ።

ፕረዚደንት ኤርዶዋን ሃገሮም ካብ ስምምዓት ኢስታንቡል ስሒቦማ’ዮም። እቲ ውዕል መሰል ደቀንስትዮ ዘውሕስ ክኸውን እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኤርዶዋን ግን ንኽብሪን ልዕልናን ስድራቤት ዝጻረር ኢሎም ይምጕቱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ዓመታዊ ገምጋም፡ ንቱርኪ ኣብ መሰል ደቀንስትዮ ምሕላው ብዘርኣየቶ ድኹም ተበግሶ ይኸሳ።

ካልኦት ተዓዘብቲን ተሓለቕቲ መሰላት ደቀንስትዮን ድማ እዚ ሓድሽ ተበግሶ መንግስቲ ቱርኪ ናብ ዝኸፍአ ክመርሕ ምዃኑ ይምጕቱ። ካብ ተሓላቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች ዝዀነ ኢማ ወብ፡ እቲ ማሕበር ዕዉት ስራሓት ብምዕማሙ፡ ሕጂ ምዕጻዉ ከም ሕነ-ምፍዳይ ከም ዝርአ ትዛረብ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሰላማዊ ስልፊ ኣስማት ግዳያት’ዩ ዝንበብ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዝቕጽል ተመሳሳሊ ምትእኽኻብ ድማ ካልእ ሓድሽ ኣስማት ይውስኽ።

ከምቲ ኣበጊሱዎ ዘሎ መንግስቲ እንተ ዓጽዩዎ ግን ካልእ ተመሳሳሊ ተሓላቒ ኣካል ኣይክህሉን’ዩ።

XS
SM
MD
LG