ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሻንጋይ ሰለስተ ሰባት ብቫይረስኮሮና ሞይቶም


ሻንጋይ- ሚያዝያ 12, 2022.
ሻንጋይ- ሚያዝያ 12, 2022.

ሰበስልጣን ሻንጋይ ሎሚ ሶኑይ ብኮቪድ19 ሰለስተ ሰባት ምሟቶም ኣፍሊጦም።እዚ ኣብታ ከተማ ቁጥዐን ልሙድ ዘይኮነ ተቓውሞን ዘስዓበ ዕፅዋ ክእወጅ ዘገደደ ዳግማይ ለበዳ ካብ ዝጅምር ንፈለማ ግዜ እዩ ሞት ዝስማዕ ዘሎ።

ህይወቶም ዝሰኣኑ 89ን 91ን ዝዕድሚአን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን 91 ዝዕድሚኦም ሰብኣይን ምዃኖም ሰበስልጣን ሓቢሮም ኣለው።

ብመሰረት ናይታ ከተማ ኮሚሽን ጥዕና ሎሚ ሶኑይ 22,248 ሰባት ሓደሽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ተመዝጊብም ኣለው።

26 ሚሊዮን ነበርቲ ሻንጋይ ብሰንኪ ሓድሽ ማዕበል ለበዳ ኮቪድ ካብ መጀመሪያ ሚያዚያ ጀሚሩ ካብ ገዝኦም ከይወፁ ተኣዚዞም እዮም።

XS
SM
MD
LG