ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፤ “ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣይወጻእናን”


(ጀነቫ 04/14/2022) ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣየብቀዐን፡ ስለዚ፣ ኣብ ዙርያ ዓለም እንደገና ቅድሚ ምግፍሑ፡ ኣድማሳዊን ውሁድን ስራሕ ይሓተና ክብል ኣጠንቂቑ ውድብ ጥዕና ዓለም።

ብመሰረት ዛጊት ወግዓዊ ኮይኑ ዘሎ ኣሃዛዊ ብደረጃ ዓለም በዝሒ ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ 502 ሚልዮን፡ ብዝሒ ዝሞቱ ድማ 6 ነጥቢ 19 ሚልዮን እዩ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም “ዘለናሉ ወቕቲ፡ ሰባት ዕጥቆም ዘራግፉሉ እዋን ኣይኮነን፡ ኮሚቴ ህጹጽ እዋን ‘ኮቪድ 19 ሎሚ’ውን ኣድማሳዊ ስግኣት እዩ፡” ኢሉ ከምዝደምደመ ሓቢሮም።

ንሶም ወሲኾም ‘ምርመራ ኣዝዩ ስለዝነከየ፣ ኣንፈት ለበዳ ኮቪድ 19 ንምንጻር ኣይተኻኣለን ዘሎ። መርመራን ምንቅስቃስ ግዳያትን ምፍላጥ ክሳብ ዘይተኻኣለ፣ ህይወት ሰባት ምድሓን ቀሊል አይክኸውንን እዩ’ ይብሉ።

እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ኣገባብ ምክልኻል ኮቪድ 19፡ ክታበትን መጠናኸሪኡን ምውሳድ ከምዝኾነ ዝጠቐሱ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ብሕልፊ ኣብ ብዙሕ ሰብ ዝርከበሉ ስፍራ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስኬራ) ምጥቃም ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፡ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብፍልልይ ሕብሪ ቆርበት ንዝርአ ኣድልዎ ነቒፎም።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ የመን፣ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ዝርአ ምድንጋጽ፣ ምስቲ ኣብ ኡክሬይን ዝርአ ዘሎ ፈጺሙ ከም ዘይዳረግ ነቒፎም።

መበገሲ እቲ ፍልልይ ኢሎም ዶክተር ቴድሮስ ሕብሪ ቆርበትን መበቆልን እቶም ግዳያት ኢዩ። ከም ኣብነት ኢሎም ዝጠቕሱዎ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዕጽዋ ኣሽሓት ሰባት መዓልታዊ ብጥሜት ይመቱ ምህላዎምን ፈጺሙ ግን ክንድቲ ዝግበኦ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ክረክብ ዘይምኽኣሉን ጠቒሶም። ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘርኣይ ዘሎ ምድንጋድ ኣብ ካልእ ከባቢ ንጸሊም ሕብሪ ዘለዎም ምስ ዝቀርብ ዘሎ ዘይዳርግ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሕልፊ ኣብ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ በድል ሸፋንን ዝግበኦ ኣቓልቦ ከም ዘይረኸብን’ውን ገሊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም መዝነቶም ንኻልእ ዕላማ የውዕሉዎ ኣለዉ ብዝብል ደጋጊሞም ክኸሱ ጸኒሖም’ዮም ይብል ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ።

XS
SM
MD
LG