ክልል ትግራይ ሰራዊቱ ካብ ኢሪፕቲ ዝተባህለ ወረዳ ክልል ዓፋር ምስሓቡ ትማሊ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ፡ ኣምሓዳሪ ኣብዓላ ዝዀኑ ጣህር ሓሰን፡ እቲ ዝተባህለ ብወገኖም’ውን ከረጋግጹዎ ከም ዝኸኣሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቶም ኣማሓዳሪ ወሲኾም፡ ሰራዊት ትግራይ ገና ኣብ ካልእ ቦታታት ክልል ዓፋር ብምህላዎም፡ ነቲ ትጽቢት ዝገብሮ መሰርሕ ሰላም ክዕንቅጾ ከም ዝኽእል ጠቒሶም።
ክልል ዓፋር ሰራዊት ትግራይ ካብ ኢሪፕቲ ምስሓቦም ገሊጹ፡ ኣብ ካልእ ምህላዎም ግን ይሕብር
