ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን ሓደጋ ስእነት መግቢ የንጸላሉዋ


ኣብ ደቡብ ሱዳን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ጥሜት ብሰንኪ ምልልዋጥ ወቕቲ ዝናብ'ዩ
ኣብ ደቡብ ሱዳን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ጥሜት ብሰንኪ ምልልዋጥ ወቕቲ ዝናብ'ዩ

ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ብሰንኪ ምምዝባዕ ወቕቲ ዝናብ ዝፈጠሮ ስእነት መግቢ፡ ኣስታት 7.7 ሚልዮን ህዝቢ ብሕጽረት መግቢ ክሳቐዩ ምዃኖም ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ ኣሎ። እዚ ንክልተ ሲሶ ካብ ህዝቢ ደቡብ-ሱዳን ዘጓንፍ ዘሎ ጥሜት፡ እዋን ዘራእቲ ዝዀኑ ወርሓት ዝናብ ዘይምዝናቡ’ዩ።

ማዕከን መግቢ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጽኦ ገምጋም፡ ካብቶም ጥሜት ዘንጸላሉዎ ዘለዉ ሚልዮናት ህዝቢ ኣስታት 87-ሽሕ ኣብ ሓጺር እዋን ብዝኸፍአ ዓጸቦ ክጥቅዑ ምዃኖም የጠንቅቕ።

እዚ ንሕሱም ጥሜት ዘቃልዖም ምኽንያት ብሰንኪ ስእነት ኣገባብ ምዕቃብን ኣማራጺታትን ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ። ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝዀነ መሻክ ማሎ ካብ ጁቫ-- ደቡብ ሱዳን ነቲ ኵነታት ክገልጾ እንከሎ፡ “ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ወቕቲ ክሓልፉዎ እንተዀይኖም ግን ህጹጽን ውሑስን ቀረባት መግቢ የድልዮም። ንሱ ምስ ዝኸውን ጥራይ’ዩ ናብ ዝመጽእ ወቕቲ ክሰግሩ ዝኽእሉ፡” ይብል።

ማሎ ከም ዝገልጾ፡ ካብቶም ሓደጋ ከቢድ ጥሜት ዘንጸላሉዎ ዘሎ 1.3 ሚልዮን ዝበጽሑ ህጻናት ክዀኑ እንከለዉ፡ ነፍሰ-ጾራት ኣደታት’ውን ካብተን ብኸቢድ ክጥቅዓ ዝኽእላ ምዃነን ይሕብር።

ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምብጻሕ ሰብኣዊ ቀረባትን ሓገዝን’ውን ከቢድ ዕንቅፋት ኰይኑ ምህላዉ ሰብ-መዚ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ። ኣብ ምቅላል እቲ ጸገም ኢሎም ዘቕርቡዎ ሓሳብ ድማ፡ ብዅላቶም ተጻባእቲ ወገናት፡ ኣብ ሰላም ምውፋር ምዃኑ’ዩ።

XS
SM
MD
LG