ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ትግራይ ካብ ሓደ ከባቢ ክልል ዓፋር ከም ዝሰሓቡ ይገልጹ


ETHIOPIA-TIGRAY-POLITICS-UNREST
ETHIOPIA-TIGRAY-POLITICS-UNREST

ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ሒዞምዎ ንዝፀንሑ ኢሪፕቲ ዝተብሃለ ከባቢ ንሰብኣዊ ሓገዝ ንምቅልጣፍ ክበሃል ከምዝለቐቑ ምምሕዳር`ቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ቢሮ ኮምኒኬሽን እቲ ክልል ኣብ ፌስቡክ ገፁ ኣብ ዝጠቅዖ መግለፂ ንሰብኣዊ ሓገዝ ክበሃል ካብ 15 መጋቢት ጀሚሩ ተፃብኦ ጠጠው ንምባል ብምውሳን "ሰራዊት ትግራይ ተቖፃፂርዎ ካብ ዝነበረ ኢሪፕቲ ዝተብሃለ ናይ ክልል ዓፋር ቦታ ትማሊ 4 ሚያዝያ 2014 ለቒቑ" ክብል ገሊፁ።

ንሰብኣዊ ሓገዝ ምቹው ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ስለዚ ንህዝቢ ብመጠንን ዓይነትን እኹል ሰብኣዊ ሓገዝን ብቕልጡፍ ክኣቱ ይግባእ ዝበለ እቲ መግለፂ: እዚ እንተዘይኾይኑ ብምኽንያት ተፃብኦ ጠጠው ምባል ዕፅዋን ክባን ንክቕፅል ኣይንፈቅድን ኢሉ።

ሚንስትር ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን ኢትዮጵያ ብወገኑ: ሰብአዊ ሓገዝ ንክኣቱ ዕጡቓት ህወሓት ካብ ዝሓዝዎም ጎረባብቲ ክልል ለቒቖም ክወፁ ይግባእ ብምባል ክገልጽ ፀኒሑ እዩ።

ንምንስሓብ ሰራዊት ክልል ትግራይ ካብ ገለ ክፋል ክልል ዓፋር ኣመልኪቱ ብኻልእ ወገን ዛጊት ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ የሎን። ምዕባለታት ምስ ዝህሉ ድማ ኣብ ቀጻሊ ከነስዖቦ ኢና

XS
SM
MD
LG