ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ጸብጻብ ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓጺሩ፤ “ሰፊሕ ሰብኣዊ ጥሕሰታት”


ሚ/ወ/ጉዳያት ኣመሪካ ዓመታዊ ጸብጻብ ሃገራት ኣውጺኡ
ሚ/ወ/ጉዳያት ኣመሪካ ዓመታዊ ጸብጻብ ሃገራት ኣውጺኡ

ሚ/ሪ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ንሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ኣገዳሲ ዝብሎ ወገናት ዝምልከት ዓመታዊ ጸብጻቡ ሎሚ ዘርጊሑ። ኣብቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ንኢትዮጵያን ኤርትራን ኣመልኪቱ’ውን ጸብጺቡ ኣሎ።

ሚ/ሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ከም ሰንሰለት ሰፊሕ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኢሉ ዝጠቐሶ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት’ዩ። እቲ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምልሓሙ ድማ እቲ ሰብኣዊ በደላት ብዝተፈላለየ ኣካላት እናገደደ ከም ዝመጸ ይሕብር። ብሄራዊ ጎንጺ ዝመበገሲኡ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፡ ቤን-ሻንጉል ጉመዝን ማሕበረሰብ ደቡብን ድማ ሰፊሕ ጥሕሰት ምፍጻሙ ይጠቅስ።

ጸብጻብ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ኢሉ ዝጠቕሶ በበይኑ ጥሕሰታት ቅትለት፡ ዘይሕጋዊ ምእሳር፡ ዜጋታት ምጭዋይ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ እዋን ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዜጋታት ዝግበር ምጕስቓል፡ ምዕፋን ናጻ ፕረስን ምእሳር ጋዜጠኛታትን፡ ኣብ መንግስታዊ ጽፍሒ ዝርአ ሰፊሕ ብልሽውናን ንበደልቲ ኣብ ዝግባእ ፍርዲ ዘይምውዓልን ብሄር-ተኰር መጥቃዕቲን’ዩ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝጠቕሶ ድማ መንግስቲ ነቲ ዝተፈመጸ ከቢድ ጥሕሰታት ደው ንኸብሎ ኣይፈተንን ወይ ድማ ኣብ ገለ እዋን ኣካል ናይቲ ጥሕሰት ነይሩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት መንግስቲ ንፈጸምቲ በደል ክቐጽዕ ፈቲኑ ምዃኑ ዝጠቐሰ ጸብጻብ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝሓዘ ኣገባብ ዘይምንባሩን ከም ሳዕቤኑ ድማ ናብ ተናጽል ከም ዝወረደን የምልክት።

መንግስቲ ብስእነት ምትግባር ዝኸሰሰ ጸብጻብ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ኣብቲ ሰፊሕ ጥሕሰታት በበይኑ ተራ ተጻዊቶም ኢሉ ብስም ጠቑሱዎም ዘሎ ድማ ሚሊሻ ክልል ኣምሓራ፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ሚሊሻ ክልል ሶማሊያ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ሚሊሻ ክልል ዓፋርን ይርከቡዎም።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንኤርትራ ኣመልኪቱ’ውን ዓመታዊ ጸብጻብ ኣውጺኡ ኣሎ። “ኤርትራ ኣዝያ ዕጽውቲ” ምዃኑ ዘመልከተ ጸብጻብ፡ ብሕልፊ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ብምስታፋ ነቲ ዝነበረ ጥሕሰታት መሊሱ ከም ዝወሰኸሉ ኣመልኪቱ ኣሎ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከቢድ በደል ከም ዝፈጸሙ ድሕሪ ምጥቃስ ድማ፡ ቀንዲ ተሓትትቲ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝግበር ሰፊሕ ሰብኣዊ ዓመጻት መሓዉራት ጸጥታን ምክልኻልን እታ ሃገር ምዃኖም ኣመልኪቱ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2021 ተፈጺሙ ዝተባህለ ጥሕሰታት ድማ ማእሰርቲ፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጻት፡ መጭወይቲ፡ ዕፈና ናጻ ፕረስ፡ ስእነት መሰላት ሕጊን ካልእን ዘርዚሩ ኣሎ። ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ከም ቀንዲ ማሕንቖ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ጥሕሰታት ኢሉ ዝጠቐሶ ዘይምትግባር ቅዋምን ስእነት ተሓታትነትን ኢዩ። ዝተድፈ ቅዋም ኣብ ግብሪ ስለ ዘይወዓለ ድማ ከም ኣምሳያኡ ሰፊሕ ስእነት ልዕልና ሕጊን ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዘሎ የመልክት።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሶም ዘለዉ በበይኖም ኣካላትን ክልላትን ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ዛጊት ዝሃቡዎ ምላሽ የሎን።

XS
SM
MD
LG