ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወሳኺ እገዳታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ


ሰራዊት ዩክሬን
ሰራዊት ዩክሬን

ሓይልታት ሩሲያ ኣብ ዩክሬይን ንስቪላት ጨፍጪፎም ዝብል ክስታት ድሕሪ ምቕራቡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሞስኮው ሓደሽቲ እገዳታት ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጣ።ኔቶ ንሓይልታት ዩክሬይን ተወሳኺ ከበድቲ ኣፅዋራት ንምልኣኽ ይዘራረብ ኣብ ዘለሉ እዩ እቲ እገዳ ዝስማዕ ዘሎ።

ሓይልታት ዩክሬይን ናብ ሰሜን ኪቭ ኣብ ዝገስገስሉ እዋን ብወታደራት ሩሲያ ዝተቐትሉ ስቪላት ዘሰንብድ ሬሳታት ረኺቦም።ሞስኮ ሓላፍነት ኣይወሰደትን፤ግን ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ገበናት ኵናት ብዝምልከት መረዳእታታት ምውፆም ቀፂሉ ኣሎ።

ዋይት ሃውስ ምስ ጉጅለ ሸውዓተን ናይ ኣውሮፓ መሻርኽታን ዝተዋደደ እገዳታት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝገለፀትሉ እዋን እቶም ተፈፂሞም ዝብሃሉ ግፍዕታት እውን ዘሪዚራ ኣላ።

እቶም እገዳታት ክልተ ዓበይቲ ባንክታት ሩሲያን ብመንግስቲ ሩሲያ ዝውነኑ ቀንዲ ትካላትን ምሉእ ምዕፃው ዝሓወሰ እዩ።

እቶም እገዳታት ንናይ ፕሬዝዳንት ቭላድሚር ፑቲን ክልተ ደቆምን ኣባላት ስድርኦምን ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ሰርገይ ላቭሮቭ ሓዊሱ ካልኦት ሰበስልጣን ሩሲያን እውን ዒላማ ዝገበረ እዩ።

‘’ኣብ ሓደ ዓመት ጥራሕ ዘንበርናዮም እገዳታት ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሩሲያ ዘጥረየቶ ቁጠባዊ ምዕባለ ፀራሪጉ ዘጥፍእ እዩ’’ ኢሎም ፕሬዝዳንት ባይደን።’’ሩሲያ ወሰንቲ ቴክኖሎጂታትን ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ክትወዳደር ዘኽእሉዋ ወሰንቲ ክፍልታት ኳንተም ቴክኖሊጂን ካብ ወፃኢ ከይተእቲ ስለዝበተኽናያ ናይ ሩሲያ ቁጠባ ናይ ምዕባይ ዓቕሙ ጠጠው ክነብሎ ኢና’’ ኢሎም ብምውሳኽ።

ብሪታኒያ እውን ትማሊ ረቡዕ ሓዱሽ ናይ እገዳ ፓኬጅ ኣፅዲቓ ኣላ።ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብሪታኒያ ሊዝ ራስ ‘’ናይ ሩሲያ መራኽብ ካብ ወደባትና ምእጋድ፣ብተወሳኺ ናይ ሩስያ ባንክታት ከይሰርሓ ምኽልካል፣ከም ወርቂ ዝኣመሰሉ ማዕድናት ናይ ፑቲን ናይ ኵናት ጭዋዳታት ዘሐይሉ ኢንዱስቱሪታት ደድሕሪኦም ክንከታተሎም ኢና’’ ኢለን።

ሕብረት ኣውሮፓ እውን ኣብ ናይ ሩሲያ ፅዓት ወይ ኢነርጂ ዒላማ ዝገበረ ሓዱሽ እገዳታት ይውግን እዩ ዘሎ።

ሕብረት ኣውሮፓ ሩሲያ ኵናት ካብ እትጅምር ኣትሒዙ 38 ቢሊዮን ዶላር ንፀዓት ምኽፋሉ ትማሊ ረቡዕ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።ምስ እዚ ክወዳደር ከሎ ሕብረት ኣውሮፓ ንዩክሬይን ዝሃቦ ወታደራዊ ሓገዝ ሓደ ቢሊዮን እዩ። Körber-Stiftung Foundation of International Affairs ኣብ ዝተብሃለ ትካል ተንታኒት ሊያና ፊክስ ኣውሮፓ ብቁልጡፍ ኣይንቀሳቐስን ዘሎ ትብል።

ናይ ኔቶ ምንስትራት ወፃኢ ኣብ ብራስለስ ናይ ክልተ ማዕልታት ኣኼባ ኣብ ዝጀመርሉ እዩ ናይ ምዕራባዊያን እገዳታት ዝንበር ዘሎ።ዋሽስንግተን ጃቨሊን ፀረ ታንኪ ሚሳይል ሓዊሱ ተወሳኺ ናይ 100 ሚሊዮን ዶላር ወታደራዊ ሓገዝ ንዩክሬይን ከምእትህብ ኣብዚ ሰሙን ኣፍሊጣ ኣላ።

እቲ ብሓይልታት ሩስይታ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ግፍዒ ንናይ ኔቶ ስልሒት ክቕይር ይኽእል እዩ ትብል ፊክስ።ኣብ ኣውሮፓ ዝተፈፀሙ ዝሓለፉ ግፍዕታት ስለዘዘኻኽሩ ናይ ህዝቢ ሪኢቶ ብምሕያል ኣብ ልዕሊ ሓንፀፅቲ ፖሊስታት ተወሳኺ ፀቕጢ ዝፈጥር እዩ ትብል ብምውሳኽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቼክ ሪፓብሊክ ኣብ እዋን ሶቪየት ዝተሰርሓ T-72 ዝዓይነተን ታንክታትን ወታደራት ዘመላልሳ መካይንን ናብ ዩክሬይን ትልእኽ ኣላ።ናይ ኪቭ ተስፋ ካልኦት ኣባላት ኔቶ እውን ከበድቲ ኣፅዋራት ክልእኹ ክገብሮም እዩ ዝብል እዩ።

ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:29 0:00

XS
SM
MD
LG