ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንመጥቓዕታት ግብረሽበራ ወታሃደራዊ ዘይኮነ ፍታሕ መንግስቲ ኣይቮሪኮስት


ንመጥቓዕታት ግብረሽበራ ወታሃደራዊ ዘይኮነ ፍታሕ መንግስቲ ኣይቮሪኮስት
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:30 0:00

ንመጥቓዕታት ግብረሽበራ ወታሃደራዊ ዘይኮነ ፍታሕ መንግስቲ ኣይቮሪኮስት

ምስ ኣል-ቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ዕጡቓት ጉጅለታት ካብ ቡርኪና ፋሶ እናተልዓሉ ኣብ ልዕሊ ጎረቤት ኣይቮሪ ኮስት መጥቓዕትታቶም ኣሐይሎም ይርከቡ።ሰበስልጣን ኣይቮሪ ኮስት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈፀሙ 13 ስግረ ዶብ መጥቓዕትታት ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይ ናብ ስራሕ ከይኣትው ዕንቅፋት ኮይኑ ይብሉ።

ኣብ ዋና ከተማ ያሞ-ስክሮ ዝርከብ በሰልካ ህንፃ ቤተ ክርስቲያን Our Lady of Peace ዝተሃንፀ ብኽፋል ንመዘከርታ ፕሬዝዳንት ነበር ፈለክስ ሆፊየት-ቦይንጂ እዩ።

ንብዙሓት ዜጋታት ኣይቮሪ ኮስት ናይ 33 ዓመታት ስልጣኖም ንናይ ምርግጋ እዋን ይውክል።ምስ ሞቱ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን እታ ሃገር ክሳብ 2009 ኣ\ፈ ግጭት ነይሩ።

ሎሚ ድማ ምስ ኣል-ቓዒዳን ዳዕሽን ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ጉጅለታት ሰሜን መጥቓዕትታት ይፍንው ኣለው።

ኣማሓዳሪ ናይቲ ቤተ ክርስትያን ኣቦ ቐሺ \Father\ ፍራንክ ኣላቲን ሰላም ኣካል ባህሊ ኣይቮሪ ኮስት እዩ ይብሉ።

‘’ሰላም እንተድኣ ደሊኻ ንኵናት ተዳሎ።ቀዳማይ ፕሬዝዳንትና ፈሊክስ ሆውፌት-ቦይንጂ ሰላም ትደሊ እንተኾይንኻ ንሰላም ትዳሎ ኣለካ፤ንሰላም ምድላው ማለት ድማ ኣብ ኣእምሮን ልብን ሰባት ክትሰርሕ ኣለካ ማለቶም እዩ’’ ኢሎም።

መንግስቲ ኣይቮሪ ኮስት ንምልመላ ጉጅለታት ሽብር ተቓላዕቲ ናይ ዝኾኑ መናእሰይን ስራሕ ዘይብሎምን ደቂ ተባዕቲዮ ልብን ኣእምሮን ንምስሓብ ናይ 55 ሚሊዮን ዶላር ፕሮግራም ስራሕ ፈጠራ ከምዝምውል ኣብ ጥሪ ኣዊጁ።

ምንስቴር መናእሰይ ፍረደሪክ ካብራን መንግስቲ ነቲ ኩነታት ገምጊሙን ተረዲኡን ኣሎ፣ነዚ ኩነታት ቁጠባውን ማሕበራውን ፍታሕ ምሃብ ኣድልይ እዩ ምስ በለ ‘’ንሽብር ንምግጣም ድሩዓት ታንክታትን ወታደራዊ ሓይልን ሒዝካ ኣይኮንካን ትዋግኦ’’ ኢሎም።

ካብ 2020 ኣ\ፈ ኣትሒዙ መጥቓዕታት ዝተፈፀሙዋን መናእሰይ ስራሕ ንምርካብ ይፅገሙ ዘለውላን ናይ ሰሜን ከተማ ኮንግ እያ።

ባሲና ኮናቴ ወዲ 25 ዓመት ሰፋይ ኽዳን እዩ።ብዙሕኳ ዓማዊል እንተዘይሃለው እውን ናይ ስራሕ ቦቱኡ ኩሉ ግዜ ከፊቱ ይፅበ።’’እኹል ስራሕ የለን።ብዙሓት ካብ ኮለጅ ዝተመረቑ እንተሃለው እውን ኣብዚ ስራሕ ስለዘየለ ናብ ካሊእ ቦታ እዮም ዝኸዱ’’ ይብል።

ሳሞው ባሺያተ ድማ ስራሕ የብሉን።ስሩዕ ትምህርቲ ከይኮነስ ቁርኣን ከምዝተብሃረን ናይ ምዝዋር ናይ ፅዕነት መኪና ተማሂሩ ስራሕ ከምዝስኣነን ይገልፅ።’’ስሚንቶ ዝፀዓና መካይን ክሳብ ዝመፃ ኢና ንፅበ ዘለና፣ኣራጊፍና ቁሩብ ገንዘብ እንተረኸብና ኢና ተስፋ ንገብር’’ ይብል።

ብኻሊእ ወገን ጉጅለታት ሽብር መናእሰይ ንምምልማል መተባብዒ ይቡዎም ኣለው ይብሉ ተንተንቲ።

Friedrich Naumann Foundation ኣብ ዝተብሃለ ትካል ክኢላ ዝኾነ ጂዮፍሮይ ጁሊየን ኮዋኦ ከምዚ ይብል።

ኣብ ሰሜን መናእሰይ ብገንዘብ ይምልመሉ ኣለው ዝበለ ንሱ ‘’ገንዘብ፣ ሞተር ብሽክሌታ ሓል ሓሊፉ ድማ ዘፍርይሉ መሬት ይህቡዎም ኣለው።ድኽነት ንዘጥቅዖም ሰባት ብፍላይ እዚኣቶም ኣዚዮም ኣገደስቲ ነገራት እዮም’’ ኢሉ።

ሰፋይ ዓለባ ኮናቴ ኣብ ልዕሊ መንግስቱ ጓሂ ኣለዎ::መንግስቲ ኩባኒያታትን ፋብሪካታትን ኣብዚ ተዝኸፍት ነይሩ መናእሰይ ሰሪሖም ገንዘብ ምረኸቡ ነይሮም ይብል።

መንግስቲ ንቶም ተጠቀምቲ ስራሕ ዝፈጥሩ ፕሮጀክትታት ጀሚረዮ ኣለኹ ዝበሎ ከርኢ ብቪኦኤ ተደጋጋሚ ሕቶ ቀሪቡሉ ንምርኣይ ፈቓደኛ ኣይኮነን።

XS
SM
MD
LG