ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰልፊ ተማሃሮ ብሓይልታት ጸጥታ ምብታኑ ማሕበር ተማሃሮ ክልል ኣምሓራ ገሊጹ


ባህርዳር
ባህርዳር

ኣብ ናይዚ ዓመት'ዚ ውጽኢት ሃገራት ፈተና 12 ክፍሊ ቅሬታ ዘለዎም ተማሃሮ ቅሬትኦም ብሰልፊ ንምስማዕ እንተወፁ እውን ኣብ መብዛሕቲኦም ከተማታት ክልል ኣምሓራ ብሓይልታት ፀጥታ ከምዝተበተነ ማሕበር ተማሃሮ'ቲ ክልል ገሊፁ።

ብተወሳኺ ሸውዓተ ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ማሕበር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዝነበሩን ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ግን ኩሎም ከምዝተፈትሑን ናይቲ ማሕበር ቤት ፅሕፈት ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፁ።

XS
SM
MD
LG