ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ረድኤት ዝፀዓና መካይን ናብ ትግራይ ከምዘይኣተዋ ተሓቢሩ


ረድኤት ዝፀዓና መካይን ናብ ትግራይ ከምዘይኣተዋ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:23 0:00

ረድኤት ዝፀዓና መካይን ናብ ትግራይ ከምዘይኣተዋ ተሓቢሩ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረድኤት ፅዒነን ናብክልል ትግራይ ተንቀሳቒሰን ዝተብሃላመካይን ዕጡቓት ትግራይ ናይ ኣብዓላ መስመር ብምዕፃው ከፊቶምዎ ብዝበሉዎ ቶኽሲ ተመሊሰን ኣለዋ ኢሎም ምንስቴር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዶ\ር ለገሰ ቱሉ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ርካብት ወፃኢ ክልልትግራይ ኣተሓባባሪ ምኳኖም ዝዛረቡን ኣብ ካናዳ ዝርከቡን ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ ናብ ትግራይ ዝተንቀሳቐሳ ረድኤት ዝፀዓና መካይን የለዋን ኢሎም።

ፕሮግራምምግቢ ዓለም ግን መካይኑ ብሰንኪ ስግኣት ፀጥታ ካብ ሰመራ ከምዘይተልዓላ ንቪኦኤ ገሊፁ።

8 መጋቢት 2014 ዓ\ም ምግቢ ዝፀዓና 20 መካይንን ሰለስተ ናይ ነዳዲ ፅዕነትን ካብ ሰመሰራ ናብ መቐለ ምቅስቓሰን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላፁ ይዝከር።

ሕዚ ግን እተን ናይ ፅዕነት መካይን ክጉዓዛ ከምዘይክኣላ ተፈሊጡ ኣሎ።ምንስቴር ኣገልግሎት ኮሚንኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ‘’ኣብ ዞባ ክልተ ኣርባዕተ፣ ሓሙሽተ ወረዳታት በወራሪ ሓይሊ ስለዝተትሓዘ ብፍላይ ድማ እቲ ረድኤት ዝሓልፈሉ ናይ ኣብዓላ ኮሪደር ምሉእ ብምሉእ ንሳቶም ስለዝተቖፃፀሩዎ እቲ ረድኤት ክንቀሳቐስ ኣይክኣለን’’ ኢሎም።ኣንፃራዊ ምርግጋእ ስለዝነበረ ረድኤት ክጉዓዝ እተን መካይን ተንቀሳቒሰን ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተፀዋዊዖም ኣብቲ ከባቢ ቶኽሲ ስለዝኸፈቱን ውግእ ይካየድ ብምህላውን ነዳድን ረድኤት ምግብን ዝፀዓና መካይን ንድሕሪት ተመሊሰን ኣለዋ ኢሎም።

ጉዕዞ ጀሚረን ተመሊሰን ዝበሉወን መካይን ናይ ኣየናይ ትካል ረድኤት ምዃነን ኣይገለፁን ዶክተር ለገሰ::ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ግን መካይኑ ብሰንኪ ስግኣት ፀጥታ ተመሊሰን ክብል ገሊፁ::

‘’እተን መካይን ናብ መቐለ ክጉዓዛ ፀጥታ ዘተኣማምን ኣይኮነን’’ዝበሉ ወሃቢ ቃል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ኩነታት ዝተሓላለኸ እዩ ኢሎም።

ሰብኣዊ ረድኤት ዝፅዓና መካይን ድሕነተን ሕሉው ክኸውን ብዘተኣማምን ክጉዓዛን ቀዳምንት ከምዝ ህቡዎ ዝገለፁ እዞም ወሃቢ ቃል ምስ ሰበስልጣን ፌደራልን ክልልን ከምኡ እውን ምስ ከባቢያዊ ማሕበረሰብ ብቐረባ ይሰርሑ ከምዘለው ገሊፆም።

ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ረድኤትን ነዳዲን ዝፀዓና መካይን ካብ ሰመራ ከምዘይተልዓላን ፌደራል መንግስቲ ኮነ ኢሉ ረድኤት ናብቲ ክልል ከይኣቲ ይገብር ኣሎ ንዝብል ክሲ ዶክተር ለገሰ እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሎም።

ሬድኤት ዝፀዓና መካይን ኣብ ክልል ዓፋር ምዝራፈን ብዝምልከት ዶክተር ለገሰ ክምልሱ ከለው ‘’ናቶም ሰሪጎም ዝኣትው ኣለው፤ብተወሳኺ ድማ ካብ ክልል ዓፋር እውን ምስኦም ወጊኖም ዝዋግኡ ሓይልታት ኣለው።ሰላማዊ ሰባት መሲሎም ብፍላይ ናብ ኣምሓራ ዝኸይድ ናብ ዓፋር እውን ንተመዛበልቲ ዝኸይድ ረድኤት ሓሓሊፉ ናይ ምዝራፍ ኩነታት ኣሎ።ዝተጋነነ ኣይኮነን ናብ ክልል ትግራይ ዝኸይድ ረድኤት እውን ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብ ክልል ዓፋር በቲ ማሕበረሰብ ጠጠው ክብላ ዝተገደዳ መካይን ንናይ ዓፋር ክልል ተመዛበልቲ ካብ ሰመራ ይጉዓዛ ዝነበራ ምዃነን ንቪኦኤ ዝተዛረቡ ወሃቢ ቃል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ገሊፆም።መጠን ዝተዘረፈ ይፃረይ ከምዘሎን ዝተረፋ ግን ናብ ሰመራ ከምዝተመለሳን ሓቢሮም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ርካብት ወፃኢ ክልል ትግራይ ኣተሓባባሪ ምኳኖም ዝዛረቡን ኣብ ካናዳ ዝርከቡን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ቀደም ዲፕሎማት ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ ንቪኦኤ ብስልኪ ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ናብ ትግራይ ሬድኤት ካብዝኣቲ 16 ኣዋርሕ ምዃኑ ብምግላፅ ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ረድኤት ልኢኽና ኣለና ኢሉ እንተገለፀ እውን ናብ ትግራይ ተባሂሉ ዝተንቀሳቐሰ ዋላ ሓደ ነገር የለን ኢሎም::

ናብ ትግራይ ተባሂሉ ዝተንቀሳቐሰ የለን ዝበሉ ንሶም ‘’ዕላምኡ ነቲ ህዝቢ ንምጥማይ ስለዝኾነ ንሓዋሩ እውን ዝንቀሳቐስ ኣይመስለንን።ናይ ትግራይ ሓይልታት እዮም ከምዚ ዝገብሩ ዘለው ዝብሃል ሓይልታት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ትግራይ እዮም ዘለው’’ ኢሎም።

ናይ ኮምኒኬሽን ኣገልግሎት ምንስቴር ዶክተር ለገሰ ቱሉ እተን መካይን ዝተመልሳ ዕጡቓት ትግራይ ንመስመር ኣብዓላ ዓፅዮም ብሰንኪ ዝኽፈቱዎ ቶኽሲ ንድሕሪ ተመሊሰን ክብሉ ንዘቕረቡዎ ክሲ ኣቶ ዮሃንስ ‘’ሓደ ኣካል ናይ ገንዘብ፣ናይ ምግቢ፣ናይ ሰብ ሓይሊ ምንጩ ዝኾነ ንምውጋእ ይኹን ንናይ ትግራይ ወሰን ንምሕላው ናይ ኩሉ ምንጪ ናይ ዝኾነ ህዝቢ ኣጥምዩ ክፀንሕ እየ ኢሉ ከመይ ክሓስብ ይኽእል’’ ዝብል ሕቶ ምሕታት እዩ ኢሎም።

ከምዚ ዝበለ ክሲ ንዘቕርቡ ኣካላት ከምዚ ዝገብር ሓይሊ ኣብ ርእሱ ምትኳስዶ ኣይኮነን ስለምንታይከ ኣብ ርእሱ ይትኩስ ዝብል ንፁር ሕቶ ክቐርበሎም ይግባእ ኢሎም ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:22 0:00

XS
SM
MD
LG