ዩክሬናዊያን ስቪላት ብመዳፍዕ ሩሲያ ይቕጥቀጡ ኣብ ዘለውሉ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ንፃዕርታት ምክልኻልን መኸተን ኔቶ ኣጋራት ንምትሕብባር ዝቕፅል ሰሙን ናብ ብራስለስ ክጉዓዙ እዮም።
ሩሲያ ንዩክሬይን ካብ እትወራ 20 ማዕልታት ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ሰባት ካብ ዩክሬይን ምህዳሞም ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።
ብኻሊእ ወገን ፕሬዝዳብት ጆ ባይደን ምስ መሻርኽቶም ንምምኽኻር ናብ ኣውሮፓ ክጉዓዙ እዮም ኢለን ኣቐባሊት ቃል ዋይት ሃውስ ጀን ሳኪ እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ 24 መጋቢት ኣብ ዝካየድ ህፁፅ ኣኼባ ኔቶ ንምስታፍ ናብ ብራስለስ በልጂየም ክጉዓዙ እዮም ኢለን።’'ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንዝፈፀመቶ ዘይምኽኑይ መጥቓዕቲ ንምክልኻል ዝቐፀሉ ፃዕርታት ንምዝታይን ንናይ ነቶ መሻርኽትና ዘለና ከም ሓፂን ዝፀንዐ ድልውነትና ንምርግጋፅን እዩ’’ ኢለን።
ናይ ዩክሬይን ፕሬዝዳንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ናይ ቪዲዮ መልክእኽቶም ‘’ዩክሬይን ኣባል ኔት ኣይኮነትን።ንርዳእ ኢና።እኹላት ህዝቢ ኢና።ማዕፅኡ ክፉት ምዃኑ ንዓመታት ሰሚዕና፤ኣባል ክንኸውን ከም ዘይንኽእል ድማ ሰሚዕና ኣለና’’ ኢሎም።’’ህዝብና ነዚ ፈሊጦም ኣብ ርእሶምን ኣብ ናይ መሻርኽትና ሓገዝን ምትእምማን ምጅማሮም ሕጉስ እየ’’ ኢሎም።
ዩክሬይን ኣባል እቲ ሕብረት ከይትኸውን ሩሲያ ዘቕረበቶ ሕቶ ኔቶ ውዱቕ ገይሩዎ እዩ።ሩሲያ ንዩክሬይን ንምውራር ካብ ቻይና ወታደራውን ናይ ክልእን ሓገዝ ሓቲታ ብምባል ኣሜሪካ ተኸራኺራ ኣላ።ዋሽንግተን ንሞስኮ ከይትሕግዛ ንቻይና ሓቲታ ኣላ።
ናይ ቻይና ምንስቴር ወፃኢ ዣው ሊዣን ኣሜሪካ ንና ቻይና ረብሓታት ከይትጎድእ ብፅኑዕ ነተሓሳስብ ቻይናን ሩሲያን ኣብ ሓባራዊ ምክብባር፣ማዕርነትን ረብሓን ዝተመስረተ ስሩዕ ቁጠባውን ንግዳውን ምትሕብባረን ክቕፅላ እየን ኢሎም።
ናይ ዩክሬይን ፕሬዝዳንት ዘለንስኪ ሎማዕንቲ ረቡዕ ንክልቲኡ ኮንግረ ኣሜሪካ መደረ ክስምዕዑ እዮም።ኣብ ካፒቶል ሂል ንኪቭ ሰፊሕ ዘይሻራዊ ደገፍ ኣሎ።ኣብ ጀርመን ማርሻል ፈንድ ክኢላ ዝኾነ ማይክል ኪሜይ ፕሬዝዳንት ዘለንሲ ብዙሕ ዝበሎ ኣለዎ ይብል።
ዘለንስኪ ንፓርላማ ኢንግሊዝ ዘስምዕዎ መደረ ኣገዳሲ ፅልዋ ከምዘሕደረን ንገለ ኣባላት እውን ከምዘንብዐን ክኢላታት ሓቢሮም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።