ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቮሎድሚር ዘለንስኪ ካብ ተዋስኣይ ክሳብ መራሒ እዋን ኵናት


ቮሎድሚር ዘለንስኪ ካብ ተዋስኣይ ክሳብ መራሒ እዋን ኵናት
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:32 0:00

ቮሎድሚር ዘለንስኪ ካብ ተዋስኣይ ክሳብ መራሒ እዋን ኵናት

ናይ ዩክሬይን ፕሬዝዳንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ሃገሮም ብሓይልታት ሩሲያ ካብ እትውረር ኣብ መድረኽ ዓለም ዝተመጎሱ ፍሉጥ ሰብ ኮይኖም ኣለው።

ዓሰርተታት ኣሽሓት ወታደራት ሩሲያ ናብ ኪቭ ውሒዞም፤ሩሲያ ንዕኦም ንምቕታል ኣሊማቶ ዝነበረት ውዲት ፈሺሉ ክብሉ ሰበስልጣን ዩክሬይን ገሊፆም።ዘለንስኪ ኣብ ዋና ከተማ ዩክሬይን ንምፅናሕ ወሲኖም።

ካብ ጎደናታት ኣብ ሓደጋ ዝወደቐት ዋና ከተማ ኮይኖም ኣንፃር እቲ ወራር ብቪዲዮ መልእኽቶም እናሕለፉ ንናይ ዩክሬይን ምክልኻል ይመርሑ ኣለው።ኣብቲ ናይ ቪዲዮ መልእኽቶም ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ዓለምለኸ ኣካላትን ገንዘባውን ወታደራትን ሓገዝ ክገብሩሎም ይፅውዑ።

ተዋሳኣይን ቀልደኛን ነበር 44 ዓመት ዝዕድሚኦም ዘለንስኪ ክሳብ ቀረባ እዋን ካብ ሃገሮም ወፃኢ ብዙሕ ተፈላጥነት ኣይነበሮም።

ኣብ 2019 ኣ\ፈ 73 ምእታዊ ድምፂ ብምርካብ ንፕሬዝዳንት ፔትሮ ፖሮሸንኮ ስዒሮም ፕሬዝዳንት ኮይኖም።

ቅድሚ እቲ ምርጫ ‘’ኣገልጋሊ ህዝቢ’’ \Survant of the People\ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ሓደ ውሩይ ናይ ቴሌቭዥን ፕሮግራም ናይ ታሪኽ መምህር ገፀ ባህሪ ብምዃን ይፍለጡ።ካብዚ በተወሳኺ ዝለዓለ ተፈላጥነትን ፕሬዝዳንት ንክኾኑን ዝሓገዞም ኣብ ሓደ ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ቪዲዮ ኣንፃር ዝተጋፍሐ ግዕዝይና እናተቓወሙ ክዛረቡ ከለው ዝተቐድሑዎ ነይሩ።

ኣብ 2018 ኣ\ፈ ብሽም እቲ ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራም ናይ ዝተሰምየ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ፓርቲ ሕፁይ ኮይኖም ቀሪቦም።ኣብ ናይቲ ቴሌቪዥን ፕሮግራም ይዋስእሉ ዝነበሩ ፀረ ብልሽውና ገፀ ባህሪ ሒዞም ተወዳዲሮም።

ኣሜሪካዊያን ንፈለማ ግዜ ምስ ዘለንስኪ ዝተላለዩ ናይ ምኽትል ፕሬዝዳንትን ሕፁይ ፕሬዝዳንትን ጆ ባይደንን ወዶም ሃንተርን ዝተሓብአ ጉድ እንተሃሊዩ ከውፅኡ ፕሬዝዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ፀቕጢ ምስገበሩሎም ነይሩ።

ዘለንስኪ ኣብቲ እዋን ኣካል ሕብረት ሶቪየት ዝነበረትን ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ብበዝሒ ኣብ ዝርከቡላን ከተማ ክሪቪ ሪህ እዮም ተወሊዶም።

ኣይሁዳዊ ዝኾኑ ዘለንስኪ ኣዝማዶም ግዳያት ሆሎኮስት ምዃኖም ይዛረቡ።ወላዲ ኣቡኦምን ሰለስተ ኣሕዋቶምን ብናዚ ዝተቐተሉዎም ኣቦ ሓጉኦም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንናይ ስቪየት Red Army ኣገልጊሎም።

ዘለንስኪ ፀሓፊት ናይ ቴሌቪዥን ድራማ ንዝኾነት ኦለና ኪያሽኮ ኣብ 2003 ኣ\ፈ ተመሪዕዮም።ጓል 17ን ወዲ ሸሞንተ ዓመትን ቆልዑ ኣለውዎም።ኩሎም ሰለስቲኦም ምስ ዘለንኪ ኣብ ኪቭ ከምዝርከቡ ይእመን።

ምሩቕ ናይ ሕጊ ትምህርቲ እዮም።ግን ኣብ ክንዲ ብሙያ ሕጊ ኮመዲ ኮይኖም ክሰርሑ መሪፆም።ሓደ ካብ መስረቲ Kvartal 95 ናይ ዝተብሃለ ዕውት ናይ ተለቪዥን ምርኢት ኩባኒያ እዮም።

ሉሙድ ኣብ ዘይኮነ ‘Dancing With the Star’’ ዳንሲንግ ዊዝ ዘ ‘’ሳዕስዒት ምስ ውሩይ ሰብ’’ ናይ ዩክሬይን ናይ ቴሌቪዥን ውድድር ኣብ 2006 ተዓዊቶም።

ዘለንስኪ ኣብ 2019 ኣ\ፈፕሬዝዳንት ኮይኖም ስልጣን ክሕዙ ከለው ሃገሮም ንክልተ ክፍለ ግዝኣታት ሉሃንስክን ዶነስክን ምስ ዝተቖፃፀሩን ብሩሲያ ዝሕገዙን ሚሊሽያታት እተካይዶ ንእስ ዝበለ ውግእ ሓሙሽተ ዓመት ኣቑፂሩ ነይሩ።

ዘለንስኪ ኣብ ዙሪያ ዓለም ሓገዝ እንተሃለወዎም እውን ድሕሪ ምርጫ ኣብ ዩክሬይን ተቐባልነቶም እናተሸርሸረ መፂኡ።

ግዕዝይና ቀንዲ ፀገም ኮይኑ ኣብ ዝቐፀለላ ሃገር መፅብዕኦም ኣየማልኡን ዝብል ቅሬታ ኣሎ።ኣብ ጥሪ ኣብ ዝተኣከበ ሪኢቶ ህዝቢ 30 ምእታዊ ህዝቢ እዩ ዝድግፎም።

እቲ ወራር እናቐረበ ብዝኸደ ቁፅሪ ፕሬዝዳንት ቭላድሚር ፑቲን ንዩክሬይን ንምውራር ወሲኖም ኣለው ንዝብል ናይ ኣሜሪካ ፀብፃባት ስለያ ዘለንስኪ ክሰምዑ ቅሩብ ኣይነበሩን።መራሕቲ ኣውሮፓን ዓለምን ፑቲን ሰራዊይቶም ንድሕሪት ክስሕቡ ድፍኢት ክገብሩሎም ሓገዝ እናተኣኸኸቡ ናይ ኣሜሪካ መጠንቀቕታ ግን ዕሽሽ ኢሎምዎ።

ነቕፍቶም ነቲ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባሎም ዜጋታት ክንድቲ ዝግብኦም ከይዳለው ገይሩዎም ይብሉ።

ዩክሬናዊያን ፀረ ወራር ሩሲያ ክልዓሉ ዘቕረቡዎ ፃውዒት ግን ካብ ዙሪያ ዓለም ኣቓልቦን ደገፍን ህዝብታት ኣርኪቡሎም ኣሎ።ዘለንስኪ ፖለቲካዊ ውድቦም ናይ ህዝቢ ኣገልጋሊ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG