ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈላማይ መደረ ፕረዚደንት ባይደን


ፈላማይ መደረ ፕረዚደንት ባይደን
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:42 0:00

ፈላማይ መደረ ፕረዚደንት ባይደን

ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኩነታት ሕብረት(The State of the Union) ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ንኮንግረስ ኣብ ዘስምዕዎ ፈላማይ መደረ ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቪላድሚር ፑቲን ንዩክሬይን ብምውራሮም ኮኒኖምዎም።ብለበዳ ዝተሃሰየ ቁጠባ ሃገሮም ከይሓዊ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ዝቕባበ ብምግላፅ ኣብ ኮንግረስ ናይ ክልቲኦም ፓርትታት ደገፍ ክረክብ ይኽእል እዩ ዝበሉዎ ናይ ሓባር ኣጀንዳ ኣቐሚጦም።

ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ሚያዚያ ትማሊ ሰሉስ ንክልቲኡ ሴኔትን ወከልቲ ህዝብን ብሓባር ፈላማይ መደረ ኩነታት ሕብረት The State of the Union ኣስሚዖም።ከም ልሙድ ጠመተ መደረ ኩነታት ሕብረት ውሽጣዊ ኣጀንዳ እዩ።

ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቪላድሚር ፑቲን ንዩክሬይን ንምውራር ድሕሪ ምእዛዞም ኒኩሌዋሪ ሓይሎም ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ክኸውን ገይሮም።ባይደን ኣብ ፈላማይ ደቒቓ መደርኦም ንወራር ፑቲን ኮኒኖምዎ።

‘'ምዕራብን ኔቶን ግብረ መልሲ ዘይህቡ መሲሉዎ ነይሩ።ኣብ ውሽጢ ሃገር፣ኣብዚ ቤት ምኽሪ ኣብዛ ሃገር ክኸፋፍሎም እየ ኢሉ ሓሲቡ።ኣብ ኣውሮፓ እውን ክኸፋፍለና መሲሉዎ።ፑቲን ግን ተጋጊዩ።ድሉዋት ኢና’’ ኢሎም።

ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደን ንዕአን ኣብዝተዳለወ መቐመጢ ቦታ ንናይ ዩክሬይን ኣምባሳደር ኦክሳና ማርካሮቫ ጋቢዘንአን።ኣባላት ኮንግረስ ክልቲኦም ፓርትታት ሓድነቶም ንምግላፅ ቢጫን ሰማያዊን ባንዴራ ዩክሬይን ገይሮም ይርኣዩ።

ኣብ ጉዳይ ውሽጢ ሃገር ዝዓበየ ብድሆ ባይደን ነታ ሃገር ካብቲ ለበዳ ምውፃእ እዩ።ንዕውትነት ክታበት ብምጉላህ ናብቲ ‘’ሓዱሽ ንቡር’’ ንምምላስ እዋኑ ምዃኑ ምልክት ሂቦም ኣለው።

ማእኸላት ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማም ነቲ መምርሒ ኣብ ቀረባ ምስ ኣለሕልሖ መሸፈኒ ኣፍንጫን ገፅን ማስክ ዘይገበሩ ብዙሓት ኣባላት ኮንግረስ ይርኣዩ።

ገሊኦም ምስ ኮቪድ 19 ብሓባር ብዛዕባ ምንባር ከምዝዛረቡ እፈልጥ እየ ዝበሉ ባይደን ‘’ክንገርኩም ዝደሊ ግን ምስ ኮቪድ 19 ምንባር ፈፂምና ኣይንቕበሎን፤ምዕረ ንኻልኦት ሕማማት ንምምካት ንገብሮ ቓልሲ ክንቕፀለሉ ኢና’’ ኢሎም።

ካብ ለበዳ ናይ ምሕዋይ ፃዕሪ ብሰንኪ እናወሰኽ ይኸይድ ዘሎ ዝቕበባ ዕንቅፋት ገጢሙዎ ኣሎ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝቕባበ 7.5 ምእታዊ በፂሑ ኣሎ።ባይደን ታሕተዋይ ክፍሊት ደመወዝን ናይ ውሽጢ ሃገር ምህርቲ ንምዕባይን ዘለዎም ትልሚ ዘርዚሮም።ኣብ ኣሜሪካ ተወሳኺ መሰረተ ልምዓትን ምህዞን፣ቕልጡፍ ምንቅስቓስ ኣቑሕት፣ተወሳኺ ዕድል ስራሕ ከምኡ እውን ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ወፃኢ ቀረባት ምምስራት ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ክነፍሪ ኢና ኢሎም።

ንሪፓብሊካዊያን ብምውካል ንናይ ባይደን መደረ ግብረ መልሲ ዝሃባ ንክታበትን ኣስገዳድ ምጥቃም ማስክን ሓዊሱ ንመምርሕታት ለበዳ ብምንፃግ ዝፍለጣ ኣማሓዳሪይ ክፍለ ግዝኣት ኣዮዋ ኪም ረይኖልድስ ነታ ሃገር ንድሕሪት ዝመለሱ እዮም ክብላ ንናይ ባይደን ፖሊስታት ነቒፈን።

ፕሬዝዳንት ባይደንን ፓርቶምን ናብ ሰብዓታትን ሰማኒያታትን ንድሕሪት ይመልሱና ኣለው ዝበላ ንሰን ‘’ዝቕባበ ንስድርራታት ይዶቕሶም ናብ ዝነበረሉ፣ከቢድ ማዕበል ገበናት ንከተማታትና የጨንቕ ናብ ዝነበረሉ፣ሰራዊት ሶቪየት ንናይ ዓለም ካርታ ዳግም ይቐርፅ ናብ ዝነበረሉ እዋን መሊሶምና’’ ኢለን።

ሓሙሽተ ዝተዋደዱ ላዕለዎት መዐቀኒ ሪኢቶታት ህዝቢ ከምዝሕብሩዎ ናይ ባይደን ደገፍ 41 ምእታዊ ጥራሕ እዩ።

ዝሓሹ ምልክትታት ግን ነታ ሃገር ካብ ለበዳ፣ካብ ቅልውላው ዩክሬይንን ዝቕባበን ኣብ ምውፃእ ዝምስረት እዩ ክኸውን።

ኣብ American Interprise Institute ላዕለዋይ ክኢላ ኖርማን ኦርንስተይን እቶም ፕሬዝዳንት ከምዚ ዝበለ መደረ ምስምዖም ጥንካረ እዩ ዝሕበር፣ሰባት ክሰምዕዎ ዝደልዩ ነገራት ይዛረቡ ስለዘለው ሓጋዛይ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል።

ኣብ ክልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ቀጣን ብልጫ ዴሞክራት ብምሓዝ ባይደን ብሩህ ተስፋ ይርኣዮም።

ኩነታት ሕብረትና ድልዱል እዩ ምኽኒያቱ ድማ ህዝቢ ኣሜሪካ ድልዱል ሰልዝኾነ ኢሎም ባይደን።

ኣብ ቫንደርቢልት ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ፕሬዝዳንታዊ ዘረባ ቫኔሳ ቢስለይ ንኹሉ ሰብ ብዝስሕብ ኩሉ ነገር በዚ ኣገባብ ምቕማጦም ምስትውዓል ዝተመልኦ መንገዲ ይመስለኒ፤ሻራዊ ምሕፅንታ ዝቐረቡሉ ኣጋጣሚታት እውን ግን ነይሮም እዮም እየን ኢለን።

ባይደን ኣብ መደርኦም ማሕበራዊ ወፃኢታት፣ትልሚ ኩነታት ኣየር፣መሰላት ምምራፅን ምቁፅፃር ብረትን ሓዊሱ ገና መዕልቦ ንዘይረኸቡ ናይ ሕጊ ምውፃእ ሸቶታት እውን ኣብ ደፊኦምሉ ኣለው።

XS
SM
MD
LG