ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሴነጋል፤ “መጻምድቲ ሕደ-ጾታ ዝያዳ ክቕጽዑ” ዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፊ


Thousands of protesters gathered in Dakar, Senegal to demand harsher penalties for homosexuals, Feb. 20, 2022. (Annika Hammerschlag/VOA)
Thousands of protesters gathered in Dakar, Senegal to demand harsher penalties for homosexuals, Feb. 20, 2022. (Annika Hammerschlag/VOA)

ጾታዊ ዝምድና ተመሳሳሊ ጾታ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብገበን ዘቕጽዕ ደኣ ይዅን እምበር፡ ኣብ ሴነጋል ግን እቲ መቕጻዕቲ ክትርር ዝጠልቡ ኣሽሓት ዜጋታት ኣብ ርእሰ-ከተማ ዳካር፡ ብሰንበት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። ሰልፈኛታት እቲ ገበን ክሳብ ብሞት ከቕጽዕ’ውን ዝጠልቡ’ዮም።

ቅርጺ ክቢ ዝፈጠሩ ጉጅለ ሰብኡት ንሓደ ኣብ ዝምድና ተመሳሳሊ ጾታ ዝተረኽበ ዜጋ ብሓዊ ከቃጽሉ ይቀራረቡ። ንሳቶም “ኣብ ሴነጋል ንኸምኣቶም ዝኸውን ስፍራ የሎን” እናበሉ ክጭርሑ ይስምዑ። ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ምዝራብ ፈጺሙ ደው ክብል ድማ ይጠልቡ።

እቲ ኣጋጣሚ ብኣዝዮም ዓቃባዊ ኣረኣእያ ምስልምና ብዘለዎም ዜጋታት ዝተዳለወ’ዩ። ከም እምነት እቶም ወደብቲ፡ ሕደ-ጾታ ብምዕራባውያን ዝኣተወን ኣብ ሴነጋል ቦታ ዘይብሉን’ዩ። ንኽብሪን ባህሊን እታ ሃገር ክዘርግ ከም ዝኽእል ከኣ ይምጕቱ።

ኣስታት 95% ካብ ብዝሒ ህዝባ ተኸታሊ እምነት ምስልምና ኣብ ዝዀነት ሴነጋል፡ ንዝምድና ተመሳሳሊ ጾታ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲን ኣስታት $2,500 ዶላርን ዘቕጽዕን ሕጊ ኣለዋ።

ኣንጻር ዝምድና ሕደ-ጾታ ዝቃወሙ ዜጋታት: እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣብ ግብሪ ይስርሓሉ ከም ዘየሎ ይምጕቱ። ካልኦት ድማ እቲ መቕጻዕቲ ስለ ዝወሓደ ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርቲ ይጠልቡ።

መቕጻዕቲ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመታት ማእሰርቲ ክኸውን ኣቐዲሙ ዝቐረበ ንድፊ ብባይቶ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ጥሪ ተነጺጉ’ዩ።

ንጎኘ ዲያ ተመሃሪት ዩኒቨርስቲን “ሕብረት ንዕቃበ እስላማዊ ውርሻ” ዝብል ምትእኽኻብ ደቀንስትዮ እተመርሕ’ያ። ብኣገላልጻኣ፤ “መንግስቲ ንተግባራት ሕደ-ጾታ ማዕረ ዓመጽን ስርቂን ክቐጽዖ ኣለዎ። ዋላ ንሕልፈት’ውን ይዅን በዚ ገበን’ዚ ዝተኸሰሱ ዜጋታት እንተ ተኣስሩ ኣይቃወምን። ህዝቢ ሴነጋል ንኸምዚ ዝመስል ተርእዮታት ኣይጸውርን’ዩ። ከምኡ ክብል ከለኹ ከኣ ብዅርዓት’የ ዝዝረብ ዘለኹ:” ትብል።

ኣብ ስራሓት ህንጻ ዝነጠፍ ኢብራሂም ሲሰ’ውን ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ዝተሳተፉ’ዩ። ንሱ ብቛንቋ ወሎፍ “ኣብ ዝምጽና ሕደ-ጾታ ዘዋስኡ ሰብ እንተ ሒዝኩም ቅተሉዎ፡” ዝብል ጽሑፍ ሒዙ ይርአ።

ከም ኣዘራርባ ሲሰ፡ ኣፍሪቃውያን ሕጂ ተበራቢሮምን ንትልምታት ኤውሮጳ ክስዕሩ ክኢሎምን’ዮም። ከምቶም ዝቐድሙ ወለዶ ከም ዘይግርሁ ዝሓበረ ሲሰ ድማ ወስንቲ ዕድሎም ባዕላቶም ምዃኖም ድሕሪ ምንጋር፡ “ሕጂ’ውን ንዝሓዝኩሞ ገበነኛ ቅተሉዎ፡” ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣሽሓት ደገፍቲ ዝተረኽቡሉ ተመሳሳሊ ሰለማዊ-ሰልፊ ተኻዪዱ ነይሩ። ድሕሪ’ቲ ሰልፊ እቲ ተጻብኦ ከም ዝዓበየ ተሓለቕቲ የምልክቱ።

ንድሕነቱ ስሙ ቀዪሩ ብሱሌማን የሱፍ ክጽዋዕ ዝመረጸ ዜጋ፡ ብውሽጢ፡ ንመሰል ሕደ-ጾታ ዝጣበቕ’ዩ። ፈተና ሞት ተኻዪዱሉ ሃዲሙ ናብ ፈረንሳይ ከም ዝተዓቝበ ይሕብር። ኣብ ሴነጋል ዝርከቡ ስድራቤቱ ግን ካብ ምፍርራሕ ኣየዕረፉን።

የሱፍ ከም ዝብሎ፡ እቶም መንእሰያት ብኣኽረርቲ ሰዓብቲ እልምና ስለ ዝተጸልዉ ኣዝዮም ሓደገኛታት እናዀኑ መጺኦም።

ንሱ ከም ዝብሎ ገና ኣብ ኤውሮጳ’ውን እቲ ናይ ቅትለት ምፍርራሕ ኣይተፈልዮን። ናይ ግዜ ሕቶ እንተ ዘይኰይኑ ከም ዝቐትሉኒ ርዱእ’ዩ ይብል። ዝመጾ ዘሎ ምፍርራሕ ካብ ምጥባቕ ከም ዘይዓግቶ ግን የሱፍ ይዛረብ። እቲ ኣብ ሴነጋል ዝፍጸም ዘሎ ተርእዮ፡ ምስ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት ዝስራዕ ምዃኑ ይምጕት።

የሱፍ ይውስኽ፡ ሴነጋል በዚ ዘላቶ ገስጋስ እንተቐጺላ፡ ሕደ-ጾታ ምጽናት ከጓንፎም ምዃኑ ይኣምን

XS
SM
MD
LG