ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ትግራይ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣፈናቒሎም ኢሉ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን


ዕጡቓት ትግራይ ኣብ ከባቢ ክልል ዓፋር ብዝወሰዱዎ ወታደራዊ ስጉምቲ በራሕለ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝነበሩ ልዕሊ 30,000 ስደተኛታት ናብ ሰመራን ካልኦት ከባቢታትን ከምዝተመዛበሉ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይረክተር ጉዳይ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ UNHCR ዝርከቡዎ ሓደ ጉጅለ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ስደተኛታት ሎሚ ሪኦምዎም ኣለው።

እቶም ስደተኛታት ንዓፋርን ጁብቲን ኣብ እተራኽብ ከተማ ሰርዶ ንምስፋር ምንቅስቓስ ምጅማሩ እውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ወኪል ስደተኛታት UNHCR 11 ለካቲት 2014 ዓ\ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ክልል ዓፋር በራሕለ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ብዝወረደ መጥቓዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ድማ ካብቲ ከባቢ ከምዝሃደሙን ሪፖርት ከምዝበፅሖ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ UNHCR ወሃቢ ቃል ቢሮ ቀርኒ ኣፍሪካ ፌዝ ካሲናን ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ክልል ዓፋር ኵናት ከምዝቐፀለ ብምግላፅ ኣብ መጀመሪያ ለካቲት ድማ በራሕሌ ኣብ ዝርከብ ናይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ካምፕ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።

ዋና ዳይረክተር ጉዳይ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ UNHCR ዝርከቡዎ ሓደ ጉጅለ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ስደተኛታት ሎሚ ሪኦምዎም ኣለው።

ዳይረክተር ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ናይቲ ኤጀንሲ ኣቶ ብኣካል ንጉሴ ኣብ ክልል ዓፋር ብትካሎም ዝመሓደሩ ክልተ መዕቖቢ ስደተኛታት ከምዝርከቡ ገሊፆም።ኣብ ክልተ መዕቖቢ ስደተኛታት ኣስሓይታን በራሕለን ብቀንድነት ኤርትራዊያን ዓፋር ዝኾኑ ልዕሊ 60,000ስ ስደተኛታት ከምዝርከቡ ኣቶ ብኣካል ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ልዕሊ ናይቲ ክልል ህዝቢ ኣንፀላሊዩ ዘሎ ናይ ሃለዋት ሓደጋ ንምቕልባስ ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዖም ይብል ፀብፃብ መስፍን ኣራጌ።

XS
SM
MD
LG