ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ሓጽቢ ሕዳሴ ኤለክትሪክ ከተመንጩ ጀሚራ


ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር ኣተኩሩ ኣብ ዝተዛረበሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ንፈለግ ናይል ነቲ ተርባይን ዝበሃል ክፍሊ ሞተራት ንምህራም እምበር ንኻልእ ኣይክትጥቀመሉን`ያ፡ ማይ ናይል ናብተን ብታሕቲ ዘለዋ ሃገራት ብዘይ ጉድኣት ምፍሳሱ ክቕጽል`ዩ ኢሉ
ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር ኣተኩሩ ኣብ ዝተዛረበሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ንፈለግ ናይል ነቲ ተርባይን ዝበሃል ክፍሊ ሞተራት ንምህራም እምበር ንኻልእ ኣይክትጥቀመሉን`ያ፡ ማይ ናይል ናብተን ብታሕቲ ዘለዋ ሃገራት ብዘይ ጉድኣት ምፍሳሱ ክቕጽል`ዩ ኢሉ

ንምጅማር ምምንጫው ኤለክትሪክ ሓጽቢ ዓቢይ ህዳሰ ብወግዒ መሪቖም ዝኸፈቱ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሃገሮም ናብ ከም ሱዳንን ግብጺን ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብእኡ ኣቢላ ድማ ንኤውሮጳ ጽሩይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብምዕዳል ዓለም-ለኻዊ ምትሕብባር ኣብ ምሕያል ክትሰርሕ`ያ ኢሎም።

ግብጺ ብወገና፡ ኢትዮጵያ ንውዕል ካርቱም ጥሒሳ ክትበል ከሲሳ`ላ፡
ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር ኣተኩሩ ኣብ ዝተዛረበሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ንፈለግ ናይል ነቲ ተርባይን ዝበሃል ክፍሊ ሞተራት ንምህራም እምበር ንኻልእ ኣይክትጥቀመሉን`ያ፡ ማይ ናይል ናብተን ብታሕቲ ዘለዋ ሃገራት ብዘይ ጉድኣት ምፍሳሱ ክቕጽል`ዩ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ንህዝቢ ኣብዘመሓላለፎ መልእኽቲ ድማ ከምዚ ኢሉ፡

"ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሽኡ ስለዝኣመነና፡ ገንዘቡ ስለዘዋጽአ፡ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ መድራኻት ኩሎም ነዚ ፕሮጀክት ድምጺ ስለዝኾነ፡ እዚ ፕሮጅክት`ዚ ድማ ናይ ሓድነትና፡ ናይ ግስጋሰና ናይ ዕብየትናን ናይ ዘይተንበርካኽነት ምልክት ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ኩሉ ሓቆፋዊ ተጋድሎ ልዑል ምስጋና ከቕርብ ይፈቐደለይ " ኢሉ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምጅማር ምምንጫው ሓይሊ ኤለክትሪክ ተረኺቡ ዘስምዖ መደረ።

እቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ 155 መትሮ ቁመትን ድምር ዙርያ 74 ኪ.ሜ ዝዓቐኑን ሓጽቢ፡ ትማሊ ሰንበት ብሓንቲ ተርባይን 375 ሜጋዋት ሓይሊ ከምንጩ ጀሚሩ`ሎ፡ ከም ሓበረታ ዋና ሓላፊ`ቲ ሓጽቢ ኢንጅነር ኪፍለ ሆሮ ኣብቲ ቦታ ኮይኑ ንሪፖርተራት ከምዝተዛረቦ።

እንጅነር ክፍለ እቲ ሕጂ ዝምንጩ ሓይሊ ምስቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ግሪድ ከምዝራኸብን፡ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ድማ 750 መጋዋት ዘመንጩ ካልኣይ ተርባይ ስርሑ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ`ሎ። ትማሊ ጀሚሩ ዘሎ ካብ 13 ተርባይናት እቲ ሓደ ጥራሕ`ዩ።ቭእቲ ካብ 2011 ጀሚሩ ብ5ተ ቢልየን ዶላር ባጀት ዝስራሕ ዘሎ ሓጽቢ ዓቢይ ህዳሰ፡ ምስ ተወድአ ብድምር 6, 500 መጋዋት ኤለክትሪክሲቲ ከመንጩ ትጽቢት ይግበር።

ግብጺ እቲ ህንጸት ሓጽቢ ህዳሰ፡ ዋሕዲ ማይን ካልእ ጸገማትን ከስዕበለይ`ዩ ብዝብል ሻቕሎት ክትቃወሞ ጸኒሓ`ላ።

ሱዳን ብወገና ሽሕ`ኳ ኣብቲ መጀመርያ ካብ ደምሳሲ ውሕጅ ይከላኸለለይ`ዩ ብዝብል ነቲ ንህንጸት ሓጽቢ ህዳሰ ትድግፍ እንተነበረት፡ ድሓር ግን እቲ ጉዳይ ንዞባዊ ጸጥታን ሰላምን ስግኣት`ዩ ብዝብል ባይቶ ጸጥታ ክርእዮ ሓቲታ`ያ። ባይቶ ጸጥታ ድማ ነቲ ጉዳይ ርእዩ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘመርሖ ይዝከር- እዚ ድማ ኢትዮጵያ ክትድግፎ ዝጸንሐት መትከል`ያ።

ነቲ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ዝኣተወ ዝሓለፈ ምምሕዳር ትራምፕ`ውን ንኢትዮጵያ ንምቕጻዕ ብUSAID ንክውሃብ ኣብ መደብ ዝነበረ ናይ 120 ሚልየን ዶላር ሓገዝ ክድስክል ጌሩ`ዩ።

መራሕቲ ግብጻውያን ኣብቲ እዋን ኣብ ማይ ኒል ዘለና መሰል ታሪኻዊ ውዕል ንምኽባር ኩሉ ኣማራጽታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና ኢሎም ኔሮም`ዮም።

ኢትዮጵያ ግን ኣካል`ቲ ውዕል ኣይነበርኩን ብዝብል ከም ኣህጉራዊ ውዕላት ኣይፈልጦምን`የ ክትብል ጸኒሓ`ላ።

ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት ብሓደ ተርባይን ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምንጩ ጀሚረ ኢላ ድሕሪ ምስማዓ፡ ሚንስትሪ ወጻኢ ግብጺ ምላሽ ሂቡ`ሎ፡ ኢትዮጵያ ዳግም ንውዕል ካርቱም ጥሒሳ ዝብል ክሲ፡ እንተኾነ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን ብመሰረት ኣሶሸይትድ ፕረስ። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ፡ ብወገኑ ግብጽን ሱዳንን ካብቲ ሓጽቢ ክጥቀማ`የን ምባሉ እቲ ትካል ዜና ጠቒሱ`ሎ።

ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረ ፍለክስ ትሸሰከዲ ዝተመርሐ ጻዕሪ ናብ ስምምዕ ከብጽሕ`ኳ እንተዘይክኣለ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ዝመሓላለፎ ጻውዒት፡ ኩሎም ወገናት ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ልዝቦም ክቕጽሉ ኣተሓሳሲቡ ኔሩ`ዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ስነ-ስርዓት ምጅማር ምምንጫው ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝገበሮ መደረ፡ ነቲ ሓሳብ ህንጸት ግድብ ብምምጻእ ንንጉስ ሃይለስላሰ፡ ነቲ ሓሳብ ናብ ተግባር ናይ ብምቕያር ነቲ ስራሕ ብምጅማር፡ ንኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ከምኡ`ውን ነቲ ህንጸት ብምቕጻል ንኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣመስጊንዎም`ዩ።

ግዙፍ ሓጽቢ ህዳሴ፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል በነሻንጉል ጉሙዝ፡ ኣብ ትሕቲ ጎቦታት ወረዳ ጉባ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG