ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ተናዊሑ ዝጸንሓ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ክካየድ'ዩ


ፋይል
ፋይል

ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ንኽልተ ዓመት ተናዊሑ ዝነበረ ኣብ ሰለስተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝራኸብሉ ዋዕላ ኣብዚ ሰሙን ከካይዱ እዮም።መራሕቲ ክልቲኦም ክፍለ ዓለማት ነቲ ለበዳ ዝተውሃበ ግብረ መልስን ኣፍሪካ ንለውጢ ኩነታት ኣየር ንምምካት ንምሕጋዝን ዝብሉ ኣጀንዳታት ዝርከቡዎም ክዘራረቡ ኣብ ብራስለስ ይራኸቡ ኣለው።

መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ርካብቶም ንምምሕያሽን ኣብ ዙሪያ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘለው ፀገማት ንምቕራፍን ፅባሕ ሓሙስ ኣብ ብራስለስ ክራኸቡ እዩ።

ሃገራት ኣፍሪካ ብናይ ሕብረት ኣውሮፓ ናይ ጉዕዞ እገዳታት፣ምክፍፋል ክታበትን ኣፍሪካ ክታበት ኮቪድ ንምምራት ዘኽእላ ናይ ኣእምሮ ንብረት መሰላት ንምልዓል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑን ሕጉሳት ኣይኮናን።

ቶቢያስ ዌልነር ብዛዕ ዓለምለኸ ሓደጋታት ድሕነትን ፖለቲካን ኣብ ዘፅንዕ Dragonfly ኣብ ዝተብሃለ ጉጅለ ላዕለዋይ ተንታኒ እዩ።እቲ ዋዕላ በቲ ለበዳ ዝተጎድአ ርክብ ኣብ ምፅጋን ዘተኩር እዩ ይብል።

ናይ ፈረንሳይ ፕሬዝዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ሃገሮምን ሕብረት ኣውሮፓን ንቁጠባ ኣፍሪካ ክሃንፁ ንዝኽእሉ ኢንቨትመንትታት ቀዳማነት ክህብሉ እዮም ኢሎም።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ መላእ እታ ክፍል ዓለም ንዓበይቲ መሰረተ ልምዓት ትድግፍ ምስ ዘላ ቻይና ኣብ ኣፍሪካ ውድድር ገጢሙዎ ኣሎ።ፈረንሳይ ኣብ ሃገራት ማእኸላይን ምዕራብን ኣፍሪካ ንዘለዋ ፅልዋ በዳሂት ኮይና ካብ ዘላ ሩሲያ እውን ካሊእ ማእዝን ናይቲ ፈተና እዩ።

ሕብረት ኣውሮፓ ህዝቢ ኣፍሪካ ሰናይ ምሕደራን ክብርን ክረብ ንዘለዎ ራእይ ክርሕርሖ ኣይክእልን ይብል ዌልነር።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ መትከላቱ፣ኣብ ዴሞክራሲ፣ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልነት ሕግን ቅድመ ኩነት መሰረት ዝገበረ ቁጠባውን ፀጥታውን ደገፍ ንሃገራት ኣፍሪካ ምሃቡ ክቕፅል ክኸውን እዩ እውን ኢሉ ብምውሳኽ ።

እቲ ናይ ክልተ ማዕልታት ኮንፈረንስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ኣፍሪካ ዘሕድሮ ተፅዕኖ ንምክልኻል ዝከአለሉ ኣገባብ እውን ትኹረት ክግበረሉ እዩ።

World Resources Institute ኣብ ዝተብሃለ ትካል ምኽትል ፕሬዝዳንትን ዞባዊ ዳይረክተርን ዋንጂራ ማታይ ሃብታም ሃገራት ናይ መተኣታተዊ ፕሮግራማት ክኸፍላ ኣለወን ትብል።

‘’እተን ዓበይቲ በከልቲ፣80 ምእታዊ ናይ ዓለም ልቀት ዝፍንዋ ሃገራት ጉጅለ 20 እየን’’ ዝበለት ንሳ ኣጀንዳ ፋይናን ኩነታት ኣየር ንብዙሕ ዓመታት ዝፀንሐ እዩ።ኣፍሪካ ንለውጢ ኩነታት ኣየር ካብ ዝተቓልዑ ዞባታት ሓንቲ እያ።መብዛሒቲአን ሃገራት ናይ ምኽኣል ኣቕመን ከዕብያ ገንዘብ የድልየን ኢላ። ’’ዘይትዓወት ናይ 100 ቢሊዮን ዶላር ሸቶ ከምዝነበረ ንፈልጥ ኢና።ስለዚ ነዚ ናይ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ጉድለት ንምምላእ ግልፂ ዝኾነ ኣጀንዳ ኣሎ’’ ክትብ ሓቢራ።

ናይ ሰኔጋል ፕሬዝዳንት ማኪ ሳል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብናይ ኣውሮፓን ኣፍሪካን ፋውንዶሽን ኣብ ዝተዳለወ ናይ ቪዲዮ ኣኼባ ንኩነታት ኣየር ዝሰማማዕ ስትራተጂ ምምዕባል ከምዘድሊ ገሊፆም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG