ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ንምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኢትዮጵያ ንኢዶም


ፓርላማ ኢትዮጵያ ፋይል
ፓርላማ ኢትዮጵያ ፋይል

ፓርላማ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ ኣብታ ሃገር ተአዊጁ ዝጸንሓ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክልዓል ምውሳኑ ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ንኢደን። ክልቲኦም ነዚ ዝገለጹ ብወሃቢ ቃሎም ኣቢሎም ብዘውጽእዎ መግለጺ'ዩ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምልዓል እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምምጓሱ፡ እቲ ተበግሶ ንመገዲ ሰላም ዝመርሕ’ዩ ክብል ጠቒሱዎ።

እቲ ብስም ወሃብ-ቃል እቲ ሚንስትሪ ነድ ፕራይስ ኣቢሉ ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ወሲኹ፡ ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተተሓሒዞም ብዘይ ግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ብህጹጽ ክፍትሑ ጸዊዑ። ምስ ምፍታሕ እሱራት ስዒቡ ድማ ሃገራዊ ልዝብ ክስዕብ ዘለዎ እምነት ጠቒሱ። መግለጺ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣመሪካ ምስ ኵላቶም ኣካላት ንነባሪ ፍታሕን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ከም ዝሰርሕ ድሕሪ ምምልካት፡ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ንፈጸምቲ በደል ኣብ ዝግበኦም ፍርዲ ምሃብ ዘይሻራዊ ምጽራይ ክግበር ጸዊዑ።

ብካልእ ወገን ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዲያሪክ ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ መርገጺ ዋና ጸሓፊ'ቲ ትካልን ተሓቲቶም "እቲ ትካል ነቲ ውሳነ ከምዘመጎሶ" ገሊጾም ኣለው።

በቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝተኣሰሩ ሰባት: እቲ ግጭት ከብቕዕ :ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝን ተሓታትነትን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ዝተዛረቡ ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ምስቲ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዘውጽኦ መግለጺ ዝመሳሰል መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለው።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣቐዲሙ ከልዕሎ ዝወሰነ ካብ ቤት ምክሪ'ታ ሃገር ብዝቐረበሉ ሕቶ መሰረት ሕቶ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ፓርላማ ድሕሪ ዘካየዶ ክትዕ ብዝተዋህበ ድምጺ'ዩ።

XS
SM
MD
LG