ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ካብ መነባብርኦም ተፈናቂሎም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ነበርቲ መተከል - ቤንሻንጉል፣ መብዛሕተኦም ናብ መንበሪኦም ከምዝተመለሱ ተፈሊጡ።
ክልላዊ መንግስቲ ቤንሻንጉል ብመሰረት ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ 107 ሽሕ ህዝቢ ተፈናቂሉ ከምዝነበረን፣ ልዕሊ 64,000 ህዝቢ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ከባቢኦም ተመሊሶም ኣለው ይብል።
ኮሚሽነር ሓደጋ ስግኣት ኣቶ ታረቀኝ ታሲሰ "መንግስቲ ንኩነታት ጸጥታ ስለዘማሓየሾ፣ ነቶም ሃዲሞም ዝነበሩ ንክምለሱ ብምእማን ንክምለሱ ይሰርሕ ኣሎ" ኢሎም።
ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ንተፈናቀልቲ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንምርዳእ ይጓየይ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚሩ፣አብ ሞንጎ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲን ደባይ ተዋጋእቲን ብሰንኪ ዝተወለዐ ውግእ፣ ኣስታት 103 ሽሕ ህዝቢ ዘተኣናግድ መዓስከር ከምዝተዘረፈን ከምዝተባርዐን ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቦሪስ ቼስሪኮቭ ገሊጹ እዩ።
ኣብ ቤንሻንጉል ዘሎ ኩነታት ዘሻቅል ምዃኑ ዝጠቅስ እቲ ወሃቢ ቃል፣ ኣስታት 70 ሽሕ ሱዳናዊያን ስደተኛታት፣ 500 ሽሕ ድማ ኢትዮጵያዊያን ተፈናቀልቲ ከምዘለው ሓቢሩ ኣሎ።
ብካልእ ዜና፣ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት፣ ብሰንኪ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ተፈናቂሎም ንዝነበሩን ንዝተጎድኡን ይሕግዝ ከምዘሎ ክልል ኣምሓራ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ይልቃል ከፋለ ምስ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሎሚ ኣብ ባህርዳር ኣብ ልዕሊ ጉዳያት ጸጥታ ምዝርራቦምን ክልል ኦሮምያ ንክልል ኣምሓራ 100 ሚልዮን ብር ደገፍ ከምዝገበረ ዝበጽሓና ሪፖርት ገሊጹ።