ብሰንኪወራር ሩሲያ ንዝፍጠር ሰብኣዊ ቅልውላው ንምሕጋዝ ብሪታኒያ 1,000 ወታደራት ብተጠንቀቕ ጠጠው ክብሉ ኣዚዛ።እዚ ዝኸውን ዘሎ ቀዳማይ ምንስቴር ቦሪስ ጆንሰን ምስ መራሕቲ ኔቶን ፖላንድን ሎሚ ሓሙስ ቅድሚ ምርኻቦቦ እዩ።ሩሲያ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ቤላሩስ ወታደራዊ ልምምድ ክትጅምር እያ።ዩክሬይን እውን ናይ ባዕላ ወታደራዊ ልምምድ ሎሚ ሓሙስ ጀሚራ ኣላ።
ቅድሚ ናይ ጆንሰን ዲፕሎማሲያዊ ጉዕዞ ሰበስልጣን ሰራዊት ዩክሬይን ትማሊ ረቡዕ ንወታደራዊ ሓገዝ ብሪታኒያ ተቐቢሎም።
ምኽትል ምክልኻል ዩክሬይን ቪያቼስላቭ ሻፖቫሎቭ እቲ ሓገዝ ፅቡቕ ምልክት እዩ ኢሎምዎ።’’ቅድሚ ኩሉ ኣብ ጥቓ ዶባት ዩክሬይን ንዘሎ ግዝኣታዊ ምክልኻል ዘረጋግፅ እዩ።ንኩሎም ተግባራት እቲ ወራሪ ንምምካት ድልዋት ምዃና ፅቡቕ ምልክት እዩ’’ ኢሎም።
ናይ ርእሲ መከላኸሊ ሄልመትን ናይ ጥይት መከላኸሊ መዕጥቖን ሓዊሱ ዝተውሃበ ሓገዝ ናይ ዩክሬይን ፕሬዝዳንት ቮሎድሚይር ዘለንስኪን ጆንሰንን ኣብ ዝተራኸብሉ ዝተሰማምዕሉ እዩ።
ቀዳማይ ምንስቴር ብሪታኒያ መትከላት ኔቶ ብትሪ ንምሓዝ ኣፅንኦት ንምሃብን ብሪታኒያ ወታደራዊ ሓገዝ ንክትህብ ንምዝርራብን ናብ ብራስለስን ዋርሶውን ሎሚ ሓሙስ ገይሾም ኣለው።
ቀዳማይ ምንስቴር ጆንሰን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ‘’ሓቀኛ ዲፕሎማሲ እምበር ናይ ኣስገዳድ ዲፕሎማሲ ክንሪኢ ኣይንደልን’’ኢሎም።
ናይ ጆንሰን ጉዕዞ ሓደ ካብ ብዙሓት ዓለምለኸ ዲፕሎማሲ እዩ።ናይ ፌረንሳይ ፕሬዝዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን ምስ ፕሬዝዳንት ቪላድሚር ፑቲን ተራኺቦም ኣለው።
ናይ ኣሜሪካ ምኽትል ፕሬዝዳንት ካማላ ሃሪስ እውን ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ሙኒክ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ፀጥታ ምስ ናይ ኣሜሪካ መሻርኽቲ ብኣክል ተራኺበን ክዘራረባ እየን።
ሩሲያ ግጭትን ምፍሳስ ደምን ንምውጋድ ዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ክትኽተል ብሪታኒያ ሎማዕንቲ ሓሙስ ፀዊዓ ኣላ።’'ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ኵናት ንህዝብታት ሩሲያን ዩክሬይን ከምኡ እውን ንፀጥታ ኣውሮፓን ኔቶን ኣዕናዊ እዩ፤ናብ ዩክሬይን ምእታው ግዙፍ ሳዕቤንን ከቢድ ዋጋን ዘኽፍል እዩ’’ኢለን ናይ ብሪታኒያ ወፃኢ ምንስቴር ሊዝ ትረስ ምስ ናይ ሩሲያ ምንስቴር ወፃኢ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብዝተራኸባሉ እዋን።
ምዕራባዊን መንግስታት ልዕሊ 100,000 ወታደራት ናብ ዶብ ዩክሬይን ዘግዕዘት ሩሲያ ነቲ ቅልውላው ንምህዳእ ስጉምትታት ክትወስድ ክፅውዑ ፀኒሖም ኣለው።ሩሲያ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ቤላሩስ ዝጅመር ወታደራዊ ልምምድ ዝሳተፋ ናይ ውግእ መራኽብ ናብ Black Sea ልዕሊ 30,000 ወታደራት ድማ ናብ ቤላረስ ልኢኻ።
ዩክሬአይን እውን ናይ ባዕላ ወታደራዊ ልምምድ ሎሚ ሓሙስ ጀሚራ ኣላ።
ሰርገይ ላቭሮቭ ሎማዕንቲ ሓሙስ ብወገኖም እቲ ርክብ ናብ ንቡር ክምለስ ዝኽእል ’’ናይ ሓባር ምክብባር ዘለዎ ልዝብ’’ ክህሊ ከሎ እዩ ኢሎም። ‘’ኣይዶለጂያዊ ኣተሓሕዛ፣ቅድመ ኩነትን ምፍርራሕን’’ ናብ ዝወስድ የብሉን ኢሎም ብምውሳኽ።
ምዕራባዊያን ክኢላታት ስለያ ሞስኮ ነታ ኣባል ኔቶ ክትኸው ትደሊ ዘላን ኣብ ሓደ እዋን ኣባል ሕብረት ሶቪየት ዝነበረትን ዩክሬይን ክወርር ዝኽእል 70 ምእታዊ ወቓዒ ሓይሊ ድልዊ ገይራ ኣላ ኢሎም ይኣምኑ።
ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቪላድሚር ፑቲን ግን ንዩክሬይን ንምውራር ትልሚ የብልናን ክብሉ ብምንፃግ ዩክሬይን 30 ሃገራት ብኣባልነት ናብ ዝሓቖፈ ናይ ሰሜን ወታደራዊ ቃል ኪዳን ኔት ንምእታው ንእተቕርቦ ሕቶ ምዕራብ ክነፅጎን ምዕራባዊያን ወታደራቶምን ኣፅዋራኦምን ካብ ጥቓ ሩሲያ ክስሕቡን ሓቲቶም ኣለው።
ምዕራባዊያን ኣባል ኔት መን ይኹን ኣይኹን ኢላ ናይ ምውሳን ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰል የብላን ክብሉ ብምምላስ ኣብ ምብራቕ ኣውሮፓ ብዛዕባ ዝተፃወዱ ሚሳይላትን በብእዋኑ ዝካየዱ ናይ ኔቶ ወታደራዊ ልምምዳትን ግን ምስ መስኮ ንምድርዳር ድልየቶም ገሊፆም ኣለው።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።