ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማላዊ: ብርቱዕ ዝናብ ብዓሰርተታት ይቐትል ኣማኢት ኣሽሓት የመዛብል


ኣብ 15 ኣውራጃታት ማላዊ ንሰሙን ምሉእ ዝቐጸለ ብርቱዕ ዝናብ፡ ብውሑዱ ህይወት 19 ሰባት ወሲዱ ንኻልኦት ሚእቲ ዝበጽሑ ድማ ብኸቢድ ከም ዘቝሰለ ሰብ፡መዚ እታ ሃገር ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኮሚሽን ሓደጋ’ታ ሃገር ከም ዝገለጾ፡ እቲ ዝናብ ክቕጽል ተኽእሎ ስለ ዘለዎ ቅልጡፍ መጽለሊን ቀረባት መግቢ ከም ዘድሊ ተማሕጺኑ።

ብሰንኪ’ቲ ብርቱዕ ዝናብ ልዕሊ 200-ሽሕ ዜጋታት ካብ መንበሪታቶም ምምዝባሎም’ውን ሰብ-መዚ እታ ሃገር ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ነባሮ ከምዚ ዝመስል ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ህይወቶም ርእዮም ከም ዘይፈልጡ ይዛረቡ። ብዙሓት ካብቶም በቲ ውሕጅ ተመዛቢሎም ዘለዉ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ ብርቱዕ ዝናብ ካብ መንበሪታቶም ዝተኸላበቱ’ዮም።

ካብ ሞዛምቢክ ዝነቅል ሺረ ዝተባህለ ፈለግ፡ ልዕሊ መጠን መሊኡ ናብ ከባቢ’ውን ይፈስስ ምህላዉ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG