ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ተኸልኪለን ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሃቦ መግለፂ ብወገን ትግራይ ኣሉታዊ ምላሽ ተዋሂቡ 

The World Food Program (WFP) convoy trucks carrying food items for the victims of Tigray war are seen parked after the checkpoints leading to Tigray Region were closed, in Mai Tsebri town, Ethiopia June 26, 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ልኢኸ ንዝበሎ ብወገን ትግራይ ኣሉታዊ ምላሽ ተዋሂቡ። እቲ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ወፃኢ ዝምድናታት ትግራይ ኣቢሉ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ብመገዲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 27 ናይ ጽዕነት መካይን ልኢኸ ዝበሎ ኣብ ክልል ዓፋር ከም ዝተዓገታ ኣመልኪቱ።

ፈደራል መንግስቲ፡ እቲ ዝደለ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ከይበጽሕ ሓይልታት ትግራይ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ብምባል ክኸስስ ምጽናሑ ይፍለጥ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ወፃኢ ዝምድናታት ትግራይ ዝወጸ መግለጺ ግን ኰነ ኢሉ ተዛባዒ መምርሒ እናሃበ ሓገዝ ዝዓንቅፍ ዘሎ ባዕሉ እቲ መንግስቲ ምዃኑን እቲ ዘቕርቦ ዘሎ ድማ ዕባራ ምኽንያት’ዩ ክብል ይኸስስ።

ወሲኹ እቲ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ፍጹም ዕጽዋ ኣዊጁ ዘሎ መንግስቲ፡ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዝገብሮ ዘሎ ምስምስ’ዩ ክብል ይገልጽ

XS
SM
MD
LG