ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓረብ ኢማሬትስ ንክልተ ቦለስቲክ ሚሳይላት ከምዘፍሸለት  ኣፍሊጣ 


ዓረብ ኢማሬትስ ንክልተ ቦለስቲክ ሚሳይላት ከምዘፍሸለት  ኣፍሊጣ 

ሕቡራት ዓረብ ኢማሬትስ ንኣቡ ዳቢ ዒላማ ዝገበሩ ክልተ ቦለስቲክ ሚሳይላት ከምዘፍሸለት ሎማዕንቲ ሶኑይ ኣፍሊጣ።ምንስትሪ ወፃኢ እታ ሃገር ናይቶም ሚሳይላት ስብርባራት ጉድኣት ከየውረዱ ከምዝወደቑ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።ነ

ታ ሃገር ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቓዕቲ ንምምካት ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ስጉምትታት ንምውሳድ ቅሩብ ምዃኑ እውን ወሲኹ ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ የመን ዓመፅቲ ሑቲ ሓላፍነት ዝወሰድኡ መጥቓዕቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ንዝርከብ መዋህለሊ ነዳዲ ወቒዑ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት ድማ ቆሲሎም እዮም።መራኸቢ ብዙሃን ስዑዲ ዓረብ እውን ሑቲ ብዝተኮሶ ቦለስቲክ ሚሳይል ኣብ ደቡባዊ ክፋል ስዑዲ ዓረብ ወዲቑ እንተወሓደ ንሓደ ሰብ ከምዘቑሰለ ፀብፂበን ኣለዋ

XS
SM
MD
LG