ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምብራቓ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ541  ማእኸልዎትን ቀለልትን ኢንዱስትሪታት ጉድኣት ወሪዱ ተባሂሉ  


spokesperson of Amhara region Gezachew Muluneh
spokesperson of Amhara region Gezachew Muluneh

ሓይልታት ህወሓት ኣትዮም ዘረፋን ዕንወትን ኣውሪዶም ኣብ ዝተብሃልሉ ከባቢታት ምብራቓዊ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 541 ማእኸልዎትን ቀለልትን ኢንዱስትሪታት ጉድኣት ከምዝወረዶም ቢሮ ኢንቨስትመንት ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

ትማሊ ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ንብረቶም ጉድኣት ዝወረዶም ሰብ ሃፍቲ ኣገልግሎት ወሃቢት ትካላትን ሰብ ብፅሒት ኣካላትን ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ናይ ምኽክር መድረኽ ርእሰ ኣማሓዳሪ ናይቲ ክልል ዶክተር ይልቃል ከፋለ ኣብ ዘመሓለለፉዎ መልእኽቲ ዝዓነው ንብረታት መሊስካ ናይ ምትካእ ከይኮነስ ካብ ዝነበረ ብዝበለፀ ክቕፅል ንምጋብር መንግስታዊ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ገሊፆም።

ምንስቴር ምንስትሪ ኢንዱስቱሪ መላኩ ኣለበል ብወገኖም ጉድኣት ዝወረዶም ትካላት መሊስካ ንምጥያሽ መፅናዕትታት እናተኻየዱ እዮም ኢሎም።

XS
SM
MD
LG