ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኔቶ፤ ተወሰኽቲ መራኽብን ነፈርቲ ውግእን ናብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ይሰድድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ


ሩስያ ወታሃደራዊ ሓይላ ናብ ዶብ ዩክሬን ብምጽግዓ ምዃኑ`ውን ይግለጽ

ከም ሓበሬታ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ- ኔቶ፡ ናብ ምብራቓዊ ሸነኽ ሰብን ኣጽዋራት ኣብ ምልኣኽ ካብ መንጎ ዝርከባ ሃገራት፡ ደንማርክ ስጳኛ ፈረንሳ ነዘርላንድስ ዩኤስን ተጠቀስቲ ኮይነን ኣለዋ።

ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ብዛዕባ`ቲ ስጉምቲ ክገልጽ ከሎ፡ ንመሓዙትና ንምሕላውን ምክልኻልን

ኩሉ ዘድሊ ዘበለ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና- እዚ ድማ ነቲ ብምብራቓ ሸነኽ ዘለዋ መሓዙትና`ውን ዘጠቓልል`ዩ ኢሉ።

ወሃቢ-ቓል ሩስያ ድሚትሪ ፐስኮቭ ብወገኑ ንኣመሪካን ንኔቶ መሓዙታን ነቲ ወጥሪ ብምርስሳን ከሲሱ`ሎ።

ዩኤስን ብሪጣንያን ኣብ ዩክሬን ዘሎ ኢምባሲታተን ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዘን ኣለዋ- ካብ መጥቃዕቲ ሩስያ ብምስጋእ።

ሚንስትሪ ወጻኢ ዩክሬን ግን በቲ ምውጻእ ኢምባሲታት ኣይተሓጎሰን፡ " ሃገራት ወጻኢ ንድሕነት ዲፕሎማሲያዊ ተልእኮታተን ክብላ ዝወስድኦ ስጉምትታት መሰለን`ኳ እንተኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ግን ዝተሃወኸን፡ ሓደ ኣብነት ናይ ልዕሊ ዓቐን ጥንቃቐን`ዩ" ኢሉ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ዩክሬን።

ብወገን ሕብረት ኤውሮጳ ግን ከምኡ ዓይነት ምንስሓብ ከምዘየለ ሓላፊ ፖሊሲ ጆሰፕ ቦረል ኣፍሊጡ`ሎ።

ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ-ሰራሕተኛታት ኢምባሲኡ ከይተረፈ ብድልየቶም ክወጹ ብምሕባር፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኣመሪካውያን ዜጋታት`ውን ንኽወጹ ከምኡ ናብ ዩክሬንን ናብ ሩስያን ከይገሹ ሓቲቱ`ሎ።

ሓደ በዓል ስልጣን ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ ወራር ሩስያ ንዩክሬን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ከጋጥም ይኽእል ምባሉ ጠቒሱ`ሎ።

ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝርከብ ኢምባሲኡ ክንደይ ዝኾኑ ሰባት ከምዝሰርሑ, ወይ`ውን ኣብ ዩክሬን ዝርከቡ ኣመሪካውያን ቁጽሮም ክንደይ ምዃኑ ክገልጽ ኣይደለየን።

ሩስያ 127 ሺሕ ዝኾኑ ሰራዊታ ናብቲ ምስ ዩክሬን ዘዳውባ ከባቢ ኣጸጊዓቶም ከምዘላ`ዩ ዝግለጽ። ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ብዲፕሎማሲያዊ ኣገባብ ክፍታሕ ኣለዎ፡ ሩስያ ንዩክሬን እንተወሪራታ ግን ገዚፍ ማዕቀብ ይጽበያ`ሎ ይብላ።

ሩስያ ንዩክሬን ክተጎብጣ መደብ ኣለዋ ንዝብል ዝቐርባ ክስታት ኣይትቕበሎን`ያ- ንሳ ኣንጻር ምስፍሕፋሕ ኔቶ ንምብራቓዊ ኤውሮጳ ትሰርሕ ከምዘላ`ያ ተፍልጥ።

ሚንስተር ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ግን፡ ሩስያ ንመንግስቲ ዩክሬን ንምውዳቕ ትገብሮ ታክቲክን ተንክኒክን ንፈልጦ ኢና- ነቲ ወጥሪ ንምዝሓል ግን ዲፕሎማሲ`ዩ ዝሓይሽ ይብል።

ኣብዚ ሰዓት`ዚ ማዕቀብ ምግባር ግን ነቲ ወራር ናይ ምውጋድ ስራሕ ሓጋዛይ ከምዘይኮነ`ውን ብሊንከን ምስ ሲ-ኤን-ኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ገሊጹ`ሎ።

ሪፓብሊካን ሰነተር ጆኒ ኤርነስት ግን ንምምሕዳር ባይደን ንሩስያ ብናይ ምልምላም ፖሊሲ ትኸስስ።

ሰነተር ኤርነስት ክትገልጽ ከላ ከምዚ ዝስዕብ ትብል፡ " እቲ ማዕቀብ ሕጂ`ዩ ክጽዓን ዘለዎ። ፕረሲደንት ፑቲን ሓይልን ብርታዐን ጥራይ`ዩ ዝርድኦ፡ ተሪር ውሳነ ክህልወና ኣለዎ"

XS
SM
MD
LG