ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈይስቡክ ኣብ ቅልውላው ስደተኛታት ቤላሩስ ተራ ዝተጻወታ ገጻት ይዓጹ


Facebook News Feed
Facebook News Feed

እተን ዝተዓጽዋ ናይ ፈይስቡክ ገጻት ሓንቲ ብኩርዳዊ ኣባል ሓጋጊ ኣካል እትመሓደር ልዕሊ 140-ሽሕ ሰዓብቲ ዝነበራ ክትከውን እንከላ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ብኻልእ ኩርዳዊ ጋዜጠኛ እትእለ ኣስታት 270-ሽሕ ተኸተልቲ ዘለዋ ገጽ’ያ። እዘን ዝተዓጽዋ ገጻት ፈይስቡክ፡ ኩርዳውያን ናብ ዶባት ቤላሩስን ፖላንድስ ምስ ዝኸዱ፡ ናብ ኤውሮጳ ብናጻ ክኣትዉ ምዃኖም ዝነግር ጽሑፍ የእንግዳ ምንባረን ይሕበር።

ነቲ ሓበሬታ ሰሚዖም ናብቲ ዶባት ዝኸዱ ኩርዳውያን ግን ኣደዳ ምክልባት ምዃኖም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

“ነቲ ናይ ፈይስቡክ ሓበሬታ ሰሚዑ ናብ ዶባት ፖላንድ ምስ ዝኸይድ ብዝሒ ስደተኛታት ነቒለ። ብዘይካ ሓሳረ-መከራ ግን ዛጊት ዝረኸብኩዎ የብለይን፡” ይብል ሓደ ካብቶም ግዳያት ሀርሽ ስዒድ ኣሕመድ።

እቶም ክልተ ገጻ ኣዝዩ ብዙሕ ተነባብነት ዘለዎ ጽሑፋት ምሕታም ቀጺለን። ዳሕራይ ትካል ሜታ ብጋዜጠኛታት ድምጺ ኣመሪካ ተሓቲቱ ግን ነተን ገጻት ክዓጽወን ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።

እዚ ፍጻመ ሓደ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት--ዋላ’ውን በቶም ህዝባዊ ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት--ንዝፍኖ ዝንቡዕ ወረታት ንምቍጽጻር ከም ዝጽገማ ዘርኢ ኣብነት’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ዝጀመረ ቅልውላው ስደተኛታት ቡላሩስን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዓሪጉ። ንዋሕዚ ስደተኛታት ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ዒራቓውያን-ኩርዳውያን ምቍጽጻር ዝተጸገመ ሓለዋ ዶባት ፖላንድ ብተዅሲን ዘንብዕ ጋዝን’ዩ ክመልስ ፈቲኑ።

ኣብ እዋኑ፡ ፈይስቡክ፡ ኣብ ንግዲ ደቂ-ሰባት ተራ ኣለወን ዝበለን ገጻ ክዓጹ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ጌጋ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ንብዙሕ ሰዓቢኦም ግዳይ ዝገበሩ፡ ኣባላ ዞባዊ ፓርላማ ኩርዲስታን ዝዀነ ሲርዋን ባባን (Sirwan Baban) ኣብ ግሪኽ ዝመደበሩ ኩርዳዊ ጋዜጠኛ ራንጅ ፕሽዳርይን (Ranj Pshdary) ኢዮም። እቶም ክልተ ዜጋታት ከም ዝጸሓፉዎ፡ ጀርመንን ኤውርጳዊ ሕብረትን ንኩርዳውያን ዜጋታት ማዕጾአን ከፊተን ምህላወንን ንዶብ ቤላሩስ-ፖላንድ ክኸዱ ምምሕጻንን’ዩ ነይሩ።

ሰበ-ስልጣን ኤውሮጳ እቲ ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ኣብ ግዜኦም ደኣ ይሓብሩ እምበር፡ መብዛሕትኦም ኩርዳውያን ዝዀኑ ዜጋታት ግን ኣብ ዶባት ፖላንድ ተጸጊዖም ኣደዳ ከልበትበት ኰይኖም። እቲ ኣብ ፈይስቡክ ዘንበቡዎ ጽሑፍ ሓቂ ስለ ዝመሰሎም’ውን፡ ምስጋር ንዝኣበዩዎ ፖሊስ ፖላንድ ብመጕልሒ ድምጺ ጌሮም፡ “ንጀርመን ከሕልፉዎምን እታ ሃገር ድማ ክትቅበሎም ምዃና ሓበሬታ ከም ዘለዎም” ተዛሪቦም።

ካብቶም ኣብ ዶባት ፖላንድ ዝተዓግቱ ኩርዳውያን ብድምጺ ኣመሪካ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ ነቲ ናይ ፈይስቡክ ጽሑፍ ኣንቢቦም ከም ዝነቐለ ኣመልኪቶም።

ኣብ ዶባት ፖላንድ ዝተዓግቱ ዜጋታት ምስ ምምጻእ ዛሕሊን ምውዳቕ በረድን ንዝኸፍአ ሽግራት ከም ዝተሳጥሑ ኣብ እዋኑ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ’ዩ።

ሉትካ ዝተባህለ ትካል ስደተኛታት ከም ዘመልክቶ፡ ድሒሩ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ኩርዳውያን ናብቲ ዝመጹሉ ኣውራጃ ዒራቕ ከም ዝምለሱ ክግበር እንከሎ፡ ካልኦት ሓደ ሽሕን ሚእቲን ግን ገና ኣብቲ ዶባት ብተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ።

ፈስይቡክ ንኸምኣቶም ዝኣመሰሉ ጌጋ ሓበሬታ ዝዝርግሑ ገጻት ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ከም ዘይቍጠብ ይገልጽ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ’ውን 38 ገጻት፡ ኣብ ቅልውላው ስደተኛታት ተራ ነይሩወን ብዝብል ክሲ ከም ዝዓጸወን ኣፍሊጡ። ገለ ካብተን ዝተዓጽዋ ገጻት ብስለያ ቤላሩስ ዝዝወራ ምንባረን ተፈሊጡ ኣሎ--ከም ሓበሬታ ፈይስቡክ።

ኣብዚ ናይ ኩርዳውያን ቅልውላው ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ክልተ ዜጋታት ድሮ ብዙሓት ሰዓብቲ ዝጸንሑዎም’ዮም። ንኣብነት ጋዜጠኛ ክሽዳርይ ኣብ ፈይስቡክ ብቐጥታ ብምቕራብ ነቲ ዓቢ ዜና ዝበሎ ምኽፋት ዶባት ድሕሪ ምንጋሩ፡ ሰዓብቱ ተጠቀምቲ ናይቲ ዕድል ክዀኑ ጎስጒሱ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር መዓልታት እቲ ዶባት ናጻ ክኸውን ምዃኑ ድሕሪ ምንጋሩ ድማ ኣሽሓት ኩርዳውያን ኵሉ ገዲፎም ናብ ዶባት ተጓይዮም።

እቲ ዜጋ ዳሕራይ ብድምጺ ኣመሪካ ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሶ፡ ብጽቡቕ ዕላማን ሰናይ ምንዮትን ከም ዝተበገሰ ነጊሩ።

ኣባል ሓጋጊ ኣካል ዝዀነ ሲርዋን ባባን’ውን ብተመሳሳሊ ካብ ውሽጢ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኢሉ ኣብ ፈስይቡክ ቀጥታ’ዩ ነቲ ሓበሬታ ዘርጊሑ። እቲ ዝንቡዕ ሓበሬታ ልዕሊ 750-ሽሕ ሰባት ከም ዝተዓዘቡዎ ተፈሊጡ።

ንሱ’ውን ነቲ ዝዘግርሖ ጌጋ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ብድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ እቲ ሓሳብ ኣብ ባይቶ ጀርመን ከም ዝተላዕለ ጥራይ ጠቒሱ።

ድሒሩ እቲ በዓል ስልጣን ካብ መዝነቱ ተኣልዩ’ዩ።

ክኢላታት ከም ዝጠቕሱዎ፡ ከም በዓል ፈይስቡክ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ትካላት በቶም ንኣሽቱ ቋንቋታት ዝዝርግሑ ጽሑፋት እኹል ኣቓልቦ ከም ዘይህቡዎ’ዩ። እቲ ትካል በበእዋኑ ኣብ ምምሕያሽ ከም ዘሎ ደኣ ይገለጽ እምበር፡ ብሕልፊ ተጠቀምቲ ብቐጥታ (ላይቭ) ኣብ ዝፍኑዉሉ እዋን ነቲ ዝንቡዕ ሓበሬታ ንምቍጽጻሩ ተኽእሎ የሎን።

XS
SM
MD
LG