ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ብምኽንያት ዝኽሪ 6 ጥሪ ቃል ኣስሚዖም


ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ 6 ደገፍቲ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንህንጻ ቤት ምኽሪ ብምጥሓስ ንውጽኢት ምቝጻር ምርጫ ከተዓናቕፉ ዝፈተኑሉ እዋን’ዩ ኔሩ። ነቲ ኣጋጣሚ ምኽንያት ብምግባር እምበር ሎሚ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ብኣቆጻጸራ ዋሺንግተን ዲሲ ፕረዚደትን ጆ ባይደንን ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ንኣገዳስነት እታ “ንደሞክራሲ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወት” ዕለት ዝበሉዋ መዓልቲ መደረ ኣስሚዖም።

ቀዲመን መደረ ዝሃባ ካማላ ሃሪስ፡ ደሞክራሲ ንኽልተ ተጻራሪ ምርጫታት ባይታ ዝኸፍት’ዩ ድሕሪ ምባለን፡ ብሓደ ወገን ህዝቢ ድምጹ ዘስምዓሉ ክኸውን እንከሎ፡ ብኣንጻር ወገን ድማ ከምኡ ዝመስል ናዕበኛታት ዕድል ክህብ ዝኽእል’ዩ ኢለን። ሃሪስ “እቲ ዕለት ንደሞክራሲ ኣብ ሚዛን ዘቐምጥ’ዩ ነይሩ” ኢለን።

ቀጺሎም መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ባይደን፡ “ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ንፈለማ እዋን ብምርጫ ዝተሳዕረ ሰብ ንድምጺ ህዝቢ ክጕዕጽጽ ዝፈተነሉ እዋን” ኢሎም ድሕሪ ምግላጾም “እዚ ፍጻመ ንብድሕሪ ሎሚ ኣይድገምን’ዩ። ካልኣይ እዋን ንኸይርአ ድማ ናይ ኵሉና ሓላፍነት’ዩ፡” ኢሎም።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ መደረኦም፡ መጻኢ ዕድል ኣመሪካ ኣብ ኢድ ድምጺ ምርጫ ከም ዘሎ ጸቒጦም ብምዝራብ፡ ወሳኒ ዕድሉ ድማ ህዝቢ ምዃኑ ደጊሞም ኣመልኪቶም።

XS
SM
MD
LG