ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደራሲ ተስፋዬ ገብረኣብ ዓሪፉ 


Tesfaye Ghebreab-FB
Tesfaye Ghebreab-FB

ልዕሊ 10 መጽሕፍቲ ዘሕተመ፡ ብምልከት ኣጸሕሕፋኡ፡ ናይ ምትእስሳርን ታሪኻዊ ፈተሻን ኵርናዑ ይለለ

ህቡብ ደራሲን ተመራመርን ተስፋዬ ገብረኣብ፡ ኣብ ኬንያ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ብሰንኪ ሕማም ትማሊ ዓርቢ 24 ታሕሳስ 2021 ዓሪፉ'ሎ።

ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ኣብ ቢሾፍቱ-ኢትዮጵያ ተወሊዱ ዝዓበየ ተስፋዬ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ምስ ኢህወደግ ተሰሊፉ፡ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ ተሳቲፉ‘ዩ። ድሕሪ ምቕያር እቲ ስርዓት ድማ ኣብ በበይኑ መዝነታት ከም ሓላፊ መምርሒ ፕረስ፡ ኣካያዲ ኣሕታሚ ኩራዝን ዋና ኣዳላዊ መጽሄት እፎይታ ኮይኑን ኣብ ካልእ ዜናዊ ስራሓትን ነጢፉ።

ንተስፋዬ ፥ዝያዳ ህቡብነት ዝገደፈትሉ መጽሓፍ ”የቡርቃ ዝምታ” እትብል ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ብሄረ ኦሮሞ ዓቢ ስም ከተትርፍ እንከላ፡ ኣብ ተወልዶ ብሄረ ኣምሓራ ግን ሰፊሕ ነቕፌታን ቅሬታን ከም ዘስዓበት ብሰፊሑ ይዝረብ። ተስፋዬ ኣብ ፈለማ 2000ታት ምስ ኢህወደግ ብዝነበሮ ፍሕፍሕ ካብታ ሃገር ወጺኡ ንስደት ድሕሪ ምምራሑ፡ ድሕሪ ናይ ደቡብ-ኣፍሪቃ ጻንሖቱ ንኤርትራ ተመሊሱ ክነብር ጸኒሑ። ካብተን ንስደት ምስ ወጸ ዝጸሓፈን የጋዜጤኛው ማስታወሻ (መዘክር ጋዜጠኛ) ትብል ሰፊሕ ተነባብነት ከም ዝነበራ ይዝከር። ድሕሪኡ'ውን ኣከታቲሉ የደራሲው ማስታወሻ፡​ የስደተኛው ማስታወሻ ዝብላ ዓበይቲ መጸሓፍቲ ጽሒፉ ዘርጊሑ'ዩ።

ምሉእ ግዜኡ ኣብ ናይ ምጽሓፍ ዘሕልፎ ዝነበረ ተስፋዬ፡ ልዕሊ 10 መጽሕፍቲ ዘሕተመ፡ ብምልከት ኣጸሕሕፋኡ፡ ናይ ምትእስሳርን ታሪኻዊ ፈተሻን ኵርናዑ ይለለ። ተስፋዬ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝነበሮ ጥበብ ኣጸሓሕፋ፡ ኣብ ዘካይዶም ስራሓት ደቂቕ መጽናዕቲ ከም ዝገብር ስራሓቱን ፈለጥቱን ይምስክሩ።

ብዙሓት መጽሓፍቲ ተስፋዬ ናብ ካልእ ቋንቋታት ዝተተርጐሙ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ወርሒ’ዚ ብስሙይ ኤርትራዊ ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ ካብ ኣምሓርኛ ናብ እንግሊዘኛ ዝተተርጐመት መጽሓፍ The Nurebi File ብዝብል ኣርእስቲ ተዘርጊሓ ናብ ህዝቢ በጺሓ ኣላ። ኣብ እዋን ምልላይ’ታ መጽሓፍ ተስፋዬ ንሕክምና ኣብ ኬንያ’ዩ ነይሩ።

ኣብ በበይኑ ዝጸሓፎም መጽሓፍቲን ዓንቀጻት ካብ ክርክርን ታሪር ነቕፌታን ዘየዕርፍ ዝነበረ ተስፋዬ ኣብ መበል 53 ዓመቱ’ዩ ዓሪፉ። ተስፋዬ በዓል ሓደርን ኣቦ ሰለስተ ቈልዑን’ዩ ነይሩ።

Tesfaye Ghebreab-Photo Credit VOA
Tesfaye Ghebreab-Photo Credit VOA

XS
SM
MD
LG