ዋሽንግተን —
ነበርቲ: ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ካሜሮን ወታሃደራት ንተቓወምቲ ይፍትሹ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ንህጻናት ሓዊሱ ብውሑዱ ን13 ስቪላት ቀቲሎም ክብሉ ገሊፆም።ሰራዊት ካሜሮን ነቲ ኽሲ ነፂጉዎ ኣሎ።
ሰራዊት እታ ሃገር ኣንፃር ተነፀልቲ ኣንግሎፎን ኣብ ዝዋግአሉ እዋን ንስቪላት ብምቕታል ክኽሰስ እዚ ንፈለማ ግዜ ኣይኮነን።
ሰበስልጣን መንግስትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ነበርቲ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ካብ ዝነብሩላ ናይ ንግዲ ከተማ በንጊዊ ሃዲሞም ኣለው ይብሉ።
ክልቲኦም ወገናት ሰራዊት ካሜሮንን ተዋጋእቲ ኣብ ጉዳይ መጥቓዕቲ'ቲ ናነንሕድሕዶም ይካሰሱ።
እቶም ተቓለስቲ ኣብታ ብብዝሒ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ ዝሓዘት ሃገር ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዝሓቖፈት ሃገር ንምምስራት ካብ 2017 ጀሚሮም ይዋግኡ ኣለው።
ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ እቲ ግጭት ልዕሊ 3,300 ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ድማ ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ይገልፁ።