ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንግዚኡ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ምምላሶም ኣፍሊጦም


"ብመሰረት ትልምና ናይ መጀመሪያ ምዕራፍ ወፍሪ ኣብ ክልተ ሰሙን ኣዐዊትና’’ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንዝተወሰነ ግዚያት ናብ ቤት ፅሕፈቶም ከምዝተመለሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢ ገፆም ኣብ ዘቐመጥዎ ጽሑፍ ገሊፆም።

"ብዓወት ዝተጸንብሮ ምዕራፍ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ናይ ክሳብ ሎሚ መስርሕ ንኢትዮጵያ ቅንዕ ዘበለ እዩ ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ወሲኾም ኮይኑ ግን እቲ ዓወት ገና ኣይተዛዘመን "ነፃ ዘይወፁ ከባቢታት ኣለውና’’ ኢሎም ።

ኣብ ዓውዲ ኵናት ተሳዒሮም ንዝብል ዘይተቐበሉዎ መራሕቲ ህወሓት ስልታዊ ምንስሓብ ምግባሮም ይገልፁ ኣለው።ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ ፅሑፍ ካብ ሰሜን ሸዋ፣ኮምበልቻን ደሴን ዝወፁ ብመሰረት ትልሞም ምዃኑ ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG