ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ኢትዮጵያ ንኸተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ዳግም ምቍጽጻሮም ኣፍሊጦም


PMA
PMA

ንምንጭታት መንግስቲ ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስትራተጂካዊ ከተማታት ኮምቦልቻን ደሴን ካብ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ኣምሊሶመን ኣለዉ።

ተዋጋእቲ ህወሓት ቅድሚ ወርሒ ነተን ከተማታት ብምሓዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምምራሽ ኣፈራሪሖም ምንባሮም ይዝከር።

ብዛዕባ`ዚ ዳሕራዋይ ኩነታት፡ ርእይቶ ንኽህብ ብሮይተርስ ዝተደለየ ወሃቢ ቓል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኣይተረኽበን።

እዚ ተኸታታሊ ምቍጽጻር ቦታታት ዝስማዕ ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኲናት ብኣካል ንምምራሕ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጺኡ ናብ ግንባር ድሕሪ ምኻዱ`ዩ ይብል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብ ዓውደ ኲናት ስትራተጂካዊ ምትዕርራያት ይገብሩ ከምዘለዉ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጾም`ዩም- ስለምንታይ ወይ ከመይ ዝብል ግን ዝርዝር ኣይሃቡን።

XS
SM
MD
LG