ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከባቢታት ሰሜን ሸዋ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ምንቅስቃሳት ምጅማሩ ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ መነባብርኦም ካብ ዝተመዛበሉ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ መነባብርኦም ካብ ዝተመዛበሉ

ሓይልታት ህወሓት ካብ ዝኣተውሎም ከባቢታት ሰሜን ሸዋ ክወፁ ምስተገብረ ስዒቡ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ምንቅስቓስ ይግበር ከምዘሎ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ተመዛቢሎም ዝነበሩ ናይቲ ዞባ ነበርቲ እውን ናብ ከባቢኦም ተመሊሶም ብመጠን ዝወረዶም ጉድኣት ዕለታዊ መግብን ካልኦት ሓገዛትን ከምዝወሃቦም እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ሓሙሽተ ወረዳታትን 86 ጣቢያታትን ኣትዮም ዝነበሩ ሓይልታት ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ክወፁ ከምዝተገበሩ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ንናይቲ ከባቢ መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ግን ስልታዊ ምንስሓብ ምግባሮም ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG