ዋሽንግተን —
ኣብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኦሚክሮን- ሓድሽ ተርእዮ ቫይረስ ኮሮና ስኽፍታታት እናዓበየ ይኸየድ ኣሎ፤ክኢላታት ጥዕና ግን እቲ ሕማም ከይመሓሓላለፍ ክታበት ክሕግዝ ይኽእል እዩ ይብሉ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ ምስቲ ሓዱሽ ተርእዮ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ይትሓዙ ዘለው ሰባት ወሲኹ ኣሎ።ኣብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ሰሙን 52,000 ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ተመዝጊቦም: ካብኦም እቶም 13,000 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተመዝገቡ እዮም።
ትማሊ ሓሙስ መግለፂ ዝሃቡ ዳይሬክተር ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ጆን ከንጋሶንግ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ሓዱሽ ተርእዮን እቲ ለበዳን ንምምካት ሓቢረን ክሰርሓ ፀዊዖም።
ኣፍሪካ እንተወሓደ 2.2 ቢሊዮን መጠን ማለት ዶዝ ክታበት የድልያ። ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕ ማማት ኣፍሪቃ 54 ሃገራት 417.5 ሚሊዮን ክታበት ምግዝአን ናይ ኣፍሪካ ገሊፁ ኣሎ።