ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለየ ቅልውላዋት ዝሳቐዩ 183 ሚልዮን ሰባት ንምሕጋዝ 41 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ተማሕጺኑ


ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤት ሕ/ሃ ማርቲን ግሪፍስ
ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤት ሕ/ሃ ማርቲን ግሪፍስ

ሕ/ሃ አብ ዙርያ ዓለም ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ቅልውላዋት፣ ድኽነት፣ ግጭትን ሳዕቤን ኮቪድ 19ን ንዝሳቀዩ 183 ሚልዮን ህዝቢ ንምሕጋዝ ዘኽእሎ 41 ቢልዮን ዶላር ተማሕጺኑ።

ብመሰረት ሰበ ስልጣን ሕ/ሃ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ 274 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ተጸበይቲ ረድኤትን ሓለዋ ዘድልዮምን ከምዝኾኑ ጠቂሱ። ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤት ሕ/ሃ ማርቲን ግሪፍስ "ቀንዲ መበገሲ’ዞም ዝተጠቅሱ ጸገማት፣ ንነዊሕ ጊዜ ዝጸንሑ ውግኣት፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፣ ቁጠባዊ ውድቀት፣ ሕማቅ ኩነታት ኣየርን ለበዳ ኮቪድ 19ን ከምዝኾኑ" ገሊጾም።

ንሶም ኣስዒቦም "ብደረጃ ዓለም 45 ሚልዮን ህዝቢታት ንጥምየት ተቃሊዖም አለው። ሓደ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ይርከብ። ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምሒር ግዳያት ዝኾናሉ ጊዜ ኢና ኣቲና። ልዕሊ ኩሉ ሰላማዊያን ሰባት እዮም ይሳቀዩ ዘለ" ኢሎም።

ሓቂ እዩ ረድኤት ንህይወት የድሕን እዩ ግን ነባሪ ፍታሕ ኣየምጽን ዝበሉ እቶም በዓል ስልጣን ሕ/ሃ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ምዕባለ ንዘረጋግጽ ደገፍ ኣይትክእን ኢሎም።

"ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሪኢናዮ ኢና። ንኣብነት ኣፍጋኒስታን። ሰብኣዊ ረድኤት ንጸገም ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ፍታሕ ኣየርክበሎምን። ህዝቢ ንምርግጋእ ተመራጺ መገዲ ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውግእ ዝተፈጠረ ዘሕዝን ነገር፣ ጠንቁ ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ዝተመዝገቡ ምዕባለታት ምሽርሻሮም እዩ።"

ግሪፍዝ ወሲኾም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ቅልውላው፣ ብመንጽር ህጹጽ ሓገዝ ሓደገኛ መኣዝን ሒዙ ከምዘሎ ይጠቅሱ። ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ትሸዓተ ሚልዮን ህዝቢ ሕጽረት መግቢ ኣጓኒፍዎ ከምዘሎ ሓቢሮም። ብተወሳኺ ካብ መንጎኦም፣ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንከቢድ ጸገም ኣመጋግባ ተቃሊዖም፣ 400 ሽሕ ድማ ኣብ ጥቃ ጥምየት ዝርከቡሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG