ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሎጀስቲካዊ ቀረብ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ንኣፍሪቃ ክመሓየሽ ጻዊዒት ቀሪቡ


ሕብረት ኣፍሪቃ: ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ: ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝርከቡዎም ሽዱሽተ ትካላት ኣብ ዘውፅእዎ ሓባራዊ መግለፂ ኣብ ዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ንኣፍሪቃ ዝተዋህቡ ረድኤታት ክታበታት ኮቪድ19 ተመክሮ ክውሰድ ኣለዎ ኢሎም።

እቲ መግለፂ ናይ ኣፍሪቃ ቫሲን ኣኩስየሽን ኮቫክስንን 70 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ንምኽታብ ዝተቐመጠ ዓለምለኸ ሸቶ ንምዕዋት ንሃገራት ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ይደጋገፉ እዮም ይብል ።

ምንጪ ቀረብ ክታበት ረድኤት ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መግለፂ ጽፈት እቱ ሓገዝ ክመሓየሽ ኣለዎ ይብል።ናይ ኣቫትን ኮቫክስን ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ኮቪድ19 ክታበታት ተበፃሕነትን ምስዳድን ዘተኮረ እዩ።

ዛጊት ዝነበረ ረድኤት ብብዝሒ ኣብ ዝሓፀረ ግዜን ኣብ መቐመጢ መድሓኒት ንሓፂር ግዜ ዝፀንሕ ብምዃኑ ሃገራት ንወፍሪ ክታበታት ዝምልከት መደብ ንምቕማጥ ኣዚዩ ፈታኒ ምንባሩ ይገልፅ።ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ብዝለዓለ መጠን ንምኽታብን ነባሪ ዝኾነ ቀረባት ንምርግጋፅን እዚ ዝፀንሐ ኣገባብ ክቕየር ኣለዎ ክብል እቲ ሓባራዊ መግለፂ የገንዝብ።

XS
SM
MD
LG