ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ንሰራዊት ምክልኻል ኣብ ግንባር ኮይኑ ንምምራሕ ናብ`ቲ ግንባር ምውፋሩ ኣፍሊጡ


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ምሸት "ኢትዮጵያ ዝብል ናይ ናጽነት ሽም ንምሕላው ናይ ታሪኽ ሓደራ ኣለኒ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝወጸ ጽሑፍ "ካብ ሎሚ ንድሓር ንሓይልታት ምክልኻል ኣብ ግንባር ከይደ ንምምራሕ ናብ ዓውደ ኩናት ከይደ እዘምት ኣለኹ"ኢሎም። ካልኦት ኣሰሮም ተኸቲሎም ክስዕብዎም`ውን ጸዊዖም።ንሶም ኣብ መልእኽቶም "ናይ መወዳእቲ ግጥም ንገብረሉ ግዜ ሕጂ`ዩ" ኢሎም።

ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ብወገኑ፣ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ጸጥታን ናብ`ቲ 'ፍሉይ' ዝበልዎ ስጉምቲ ይኣትዉ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣባል ፈጻሚ ኮሚቴ ብልጽግና ፓርቲ ዶ/ር ኣለሙ ስሜ "ካብ መራሒ ፓርትና ጀሚሩ ናብ ግንባር ከይድና ንባዕልና መስዋእቲ ኮይና ንኢትዮጵያ ንክነድሕን ወሲና ኣለና" ኢሉ።

ሚንስተር ምክልኻል ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ብወገኑ፡ "ሓይልታት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ጸጥታን ተወሃሂዶም ናብ ዝተፈለየ ስጉምቲ ክኣትዉ`ዮም" ኢሉ።

ኣመሪካ ኮነት ሕቡራት ሃገራት፣ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣማራጺ መፍትሒ ከምዘይከውን ብምግላጽ፡ ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ኩሎም ብዘይ ቅድመ ኩነት ናብ ዘተ ክቐርቡ ክጽውዑ እንተጸንሑ`ኳ ብጭቡጥ ግን ዝተራእየ ለወጢ የለን።

ኣብተን ግጭት ዝካየደለን ዘሎ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩ ዘድልዮም ህዝቢ ሸሞንተ ሚልየን ምብጽሑ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ምውህሃድ ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ`ሎ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፣ ወሃብ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ነቲ ብቐዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ዝተወስደ ስጕምቲ ብትዊተር ሓጪጮምሉ ኣለዉ። ነቲ ተበግሶ “ዕብዳንን ላግጺን” ክብሉ ዝሰየሙዎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ሓይልታቶም ክሳብ’ቲ ብማእከላይ መንግስቲ ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ዝለዓል ክቕጽሉ ምዃኖም ኣመልኪቶም። ኣብ ተመሳስሊ ናይ ትዊተር መልእኽቲ’ውን ምስ ካልኦት ሓይልታት ልፍንቲ ክቕጽሉ ምዃኖም ጠቒሶም።

ብመሰረት ደንጉዩ ዝበጽሓና ዜና ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፈልትማን ምስ መራሕቲ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ከም ዝተራኸበ ተፈሊጡ ኣሎ። ፈልትማን ሎሚ’ውን ንፖለቲካዊ ዘተን ምዝዛም እቲ ኲናትን ቦታ ከም ዘሎ ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ሓቢሮም ኣለው።

ነቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዘተ ጻዕርታት ግን ኣብ ባይታ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጥማት ከይዕብልሎ ስክፍታኦም ገሊጾም ኣለዉ። “ወተሃደራዊ መፍትሒ ኣይክህሉን’ዩ” ዝበሉ ፈልትማን፡ "ንዲፕሎማሲያዊ ዘተ ግዜ ክንቀትል የብልናን” ክብሉ ተማሕጺኖም።

ፌልትማን ወሲኾም ኩሎም ወገናት ካብ ወትሃደራዊ ምፍጣጥ ክምለሱ ሓያል ስዳሮ ተኸይዱ ኣሎ፣ እንተኾነ፣ እቲ ኣስጊኡና ዘሎ፣ እቲ ዘየተኣማምን ምዕባለ፣ በቲ ኣብ ባይታ ይምዕብል ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ክቅልበስን ንናይ ኢትዮጵያ ህድኣትን ሓድነትን ክጽልዎ ከምዝኽእልን ኣመልኪቶም ።

ኣብ ዋሽንግተን መግለጺ ዝሃቡ ፌልትማን "ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ሚስጢራዊ ልዝብ ሰላም ንምክያድ ድልየቶም ምዃኑን ኣመሪካ ገሊጾምላ ከምዝነበሩ’ውን" ሓቢሮም።

ኣብ’ዚ ናይ ቀረባ መገሸኦም ምስ ቀ፨ሚ ኣብዪ ከምዝተራኸቡ ዝጠቅሱ ፌልትማን፣ እቶም መራሒ ኢትዮጵያ፣ ንወትሃደራዊ ሸተኦም ከዕውት እየ ዝብል ዓርሰ ምትእምማን ከምዝራኣዩሎም’ ጠቂሶም።

XS
SM
MD
LG