ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሸላሚ ሻምፒዮና ብሽክለታ ዓለም ቢንያም ግርማይን ነባር ጋዜጠኛ ስፖርት ሳምሶን ሃይለን ኣብ ጉዳይ ደሴት ኪዳነ


Dessiet Kidane
Dessiet Kidane

ጓል 21 ዓመት ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ደሴት ኪዳነ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣስመራ ውጽእ ኣብ ዝበለ ቦታ፡ ምስ ብጾታ ኣብ ልምምድ ከላ ብዘጋጠማ ሓደጋ ሂወታ ምሕላፉ ይዝከር።

ንሎሚ ብዛዕባ ደሴትን ሓደጋታት ንምድሓን ብዛዕባ ክግበር ዝግብኦ ጥንቃቐን፡ ተወልደ ወ/ገ ንተሸላሚ ሻምፒዮና ዓለም ቢንያም ግርማይን፡ ጋዜጠኛ ስፖርት ኮይኑ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ነዊሕ ዝሰርሐን : ዋና ኣሰናዳኢ መርበብ ሓበረታ ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክስን; ሳምሶን ሃይለን ኣዘራሪቡ`ሎ፡-

Dessiet Kidane
Dessiet Kidane

ዓለም-ለኻዊ ፈደረሽን ብሽክለታ(UCI) ብሕልፈት`ታ ማእከል ስሕበትና ኔራ ዝበላ ደሴት ኪዳነ ከምዝሓዘነ ክገልጽ ከሎ፡ ማእከል ብሽክለታ ዓለም ዝተባህለ ብወገኑ፡ ኣባል UCIን ኣባልናን ትዕንብብ ዝነበረት ደሴት ብሓደጋ ሙሟታ፡ ሕብረተሰብ ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብፍላይ፡ ማሕበረሰብ ስፖርት ዓለም ድማ ብሓፈሽኡ ዓቢይ ክሳራ ወሪዱና`ዩ ብምባል- ብሰላም ክትዓርፍን- ንቤተሰባ ጽንዓትn ተመንዮም።

Dessiet Kidane
Dessiet Kidane

ደሴት ኪዳነ ኣብ 2018 ክለተ ወርቂ መዳልያ ብምርካብ፡ ሻምፒዮና ደቂንስቶ ኣፍሪቃ ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ድማ ዘዕግብ ዓወታት እናመዝገበት ዝመጸት ምዃና ይፍለጥ`ዩ።

ምስ ቢንያም ግርማይን ሳምሶን ሃይለን ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:13 0:00


XS
SM
MD
LG