ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንዜጋታቱ ካብ ኢትዮጵያ ቀልጢፎም ክወጹ ይጽውዕ ኣሎ


ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ገና ንግዳዊ በረራታት ክፉት እንከሎ ዜጋታት ቀልጢፎም ክወጹ ኣዘኻኺሩ።

ከም መግለጺ እቲ ክፍሊ፡ ምስ በበይኖም መሻርኽቲ ኣካላት ይዛተዩ ምህላዎም የምልክት። ወሲኹ ድማ ጸጥታ ኣዲስ-ኣበባ ብመጠኑ ህዱእ ደኣ ይሃሉ`ምበር፡ እዚ ንገሊኣቶም ዜጋታት ንምጽናሕ ውሑስ ከመስሎም ይኽእል ይኸውን`ዩ ይብል።

እንተዀነ እቲ ምሕንጽታ፡ “ብቕልጡፍ ውጽኡ፡” ዝብል’ዩ ኢሉ`ሎ። ኣስዒቡ ድማ፡ እቲ ኲናት እናበርትዐ ደኣ ይመጽእ ይሃሉ እምበር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ምስ ኣስጋእነት እቲ ኲናት ዝዳረግ ምድላዋትን እኹል ሓበሬታን ይህብ ዘይምህላዉ እቲ በዓል ስልጣን ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ጠቒሱ`ሎ

XS
SM
MD
LG