ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ምእዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ብውሕዱ ሓደ ሽሕ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ክብል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ


UN High Commissioner for Human Rights Michelle Bachelet
UN High Commissioner for Human Rights Michelle Bachelet

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ብውሑድ ንሓደ ሽሕ ተጋሩ ድሕሪ ምእዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከምዝኣሰሩ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ወሃቢት ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ሊዝ ትሮዝል ‘ምእሳር ተጋሩ ዝተፈጸመለን ከተማታት፣ ኣዲሳበባ፣ ጎንደር፣ ባህርዳርን ካልኦት ከተማታትን ከምዝኾና’ ጠቂሳ።

ንሳ ሎሚ ሰሉስ አብ ዝሃበቶ መገለጺ ‘እቶም ተጋሩ ዝተኣሰሩ፣ ተደናገጽቲ ወይ ደገፍቲ ህወሓት እዮም ካብ ዝብል ከምዝኾነ’ውን’ ገሊጻ።

ውግእ ናይ ኢትዮጵያ ንኣሻሓት ሰባት ቀቲሉ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ምዕጻው መተሓላለፊ መገዲታት፣ ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ንጥምየት ተቃሊዖም ይርከቡ።

ዓሰርተ ኢትዮጵያዊያን ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራትን አስታት 34 ኮንትራክተራት ዘወርቲ ማካይን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ኣለው ትብል ትሮዝል።

ንኣዋርሕ ዝቀጸለ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ምምሕዳር ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን መራሕቲ ትግራይን ዝሓለፈ ሕዳር ናብ ቅሉዕ ውግእ ከምዝተሳገረ ዝዝከር እዩ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብዚ ቐረባ እዋን መጥቃዕቲ ብምፍናው ናብ ኣዲሳበባ ብምቕራብ ኣብ ልዕሊ ቀ/ሚ ጸቅጢ ብምፍጣር ነቲ ንኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተነቢሩን ንቀረባት መግቢ፣ መድሓኒትን ካልኦት ነገራትን ኣቋሪጹዎ ንዘሎ ዕጽዋ ንከልዕሉን ይደፍኡ ከምዘለው ኣሶሴትድ ፕረስ ዘዳለዎ ሪፖርት ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG