እቲ ህጹጽ ረድኤት፡ በቲ ኣብ ሰሜናዊ ክልላት ዘሎ ግጭት ንዝተጎድኡን፡ ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ብደርቂ ንዝተሃስዩን ዝውዕል ምዃኑ፡ ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብዚ ቐረባ ኢትዮጵያ በጺሑ ዝተመልሰ ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍስ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዘለዎም ሰብኣዊ ቅልውላው እናዓሞቐን እናሰፍሐን ይኽይድ ምህላዉ ብምግላጽ፡ እቲ ሕጂ ብሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ዝተዋህበ ገንዘብ፡ ነቶም ኣብ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ዝያዳ ዝተጎድኡ ገለ ሓገዝ ክኾኖም ብዝብል ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ።
ኣብዚ ዓመተ-2021 ጥራሕ፡ ካብ ማዕከን ህጹጽ ምላሽ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኢትዮጵያ ዝተዋህበ ሐገዝ ፡65
ሚልየን ዶላር ምዃኑን፡ ኢትዮጵያ ዝለዓለት ተቐባሊት ሓገዝ`ቲ ማዕከን ምዃናን ተተሓሒዙ ዝመጸና ሓበረታ የመልክት።
እንተኾነ ኣብ ምልእቲ`ታ ሃገር ዘድሊ ሓገዝ ናይ 1.3 ቢልየን ዶላር ሕጽረት ከምዘሎን፡ ካብ መንጉኡ ድማ ንትግራይ ዝምደብ 350 ሚልየን ምዃኑ ተጠቒሱ`ሎ።