ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዓሪፉ


Alamin Mohamed Said
Alamin Mohamed Said

ኣቶ ኣላሚን፥ ኣብቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ በይናዊ ፓርቲ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን፡ ኣብ ናይ ስልጣን ፕሮቶኮል ድሕሪ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝነበረ ምዃኑ ይፍለጥ

ካብ 1994 ሳልሳይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ከም ዋና ጸሓፊ እቲ ግንባር ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንኣኼባ ምስ ከደ’ዩ ብሃንደበታዊ ሕማም ዓሪፉ--ከም ሓበሬታ ትዊተር ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል።

Alamin Mohamed Said
Alamin Mohamed Said

ኣብ 1966 ናብ ቃልሲ ንናጽነት ዝተጸንበረ ኣቶ ኣልኣሚን፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ንናጽነት ዝመርሐ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ኰይኑ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለየ መዝነት ከም ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት፡ ሓላፊ ክፍሊ ሃገራዊ መርሓ፡ ኣብ ፈለማ ናጽነት ድማ ሓላፊ ክፍሊ ዜና ባህሊን ኰይኑ ኣገልጊሉ'ዩ። ኣልኣሚን ኣብ መበል 74 ዓመቱ’ዩ ዓሪፉ።

ኣቶ ኣላሚን፥ ኣብቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ በይናዊ ፓርቲ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን፡ ኣብ ናይ ስልጣን ፕሮቶኮል ድሕሪ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝነበረ ምዃኑ ይፍለጥ፡

XS
SM
MD
LG