ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣሮን ክፍለን ራሄል ዳኒኤልን ኣብ ውድድር ጉያ መሮር ስጳኛ ዓወታት ሓፊሶም


sport
sport

ኤርትራዊ ኦለምፒያዊ ተቐዳዳሚ ኣሮን ክፍለ ብሰንበት ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 9 ኪሎ-ሜተር ዝሽፍን ጉያ መሮር ብ25፡33 ግዜ ቀዳማይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።

ኣብቲ ውድድር ወዲ ብሩንዲ ሮድሪገ ክዊዘራ ንኣሮን ተኸቲሉ ካልኣይ ክወጻእ እንከሎ ኬንያዊ ጆል ኣየኮ ድማ ሳልሳይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

sport
sport

ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ውድድር ደቀንስትዮ ድማ ዕስራ ዓመታ ንምንጽባል እትቀራረብ ዘላ ኤርትራዊት ራሄል ዳኒኤል ነቲ ብኬንያውያን ኣትለታት ዝዕበለል ዝነበረ ውድድር ቀዳመይቲ ኰይና ፈጺማቶ ኣላ።

ንራሄል ተኸቲለን ድማ ኬንያውያን ቢያትሬስ ቸበትን ማርጋሬት ቸሊሞን ካልኣይቲን ሳልሳይቲን ኰይነን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG