ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ትካላት ህግደፍን ማዕቀብ ኣንቢራ


United States Department of the Treasury
United States Department of the Treasury

ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ክፍሊ ገንዘብ (ትረጀሪ)ን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ ብዝጻወቶ ዘሎ ኣሉታዊ ተራ ሎሚ 12 ሕዳር 2021 ማዕቀብ ኣንቢሩ። ኣብቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘነጽሮ፡ እቲ ማዕቀብ ኣካል’ቲ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን 17 መስከረም ዝተፈረመ ፕረዚደትናዊ ትእዛዝ’ዩ።

መግለጺ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ከም ዘመልክቶ፡ ኤርትራ፡ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ክትሕስብ ተደጋጋሚ ደኣ ትተሓበር እምበር፡ ገና ከይሰሓበት ክጠቅስ እንከሎ፡ ነቶም ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ወሳኒ ተራ ዘለዎም’ሞ ኣቐዲሞም ኣብቲ ዝርዝር ማዕቀብ ዝኣተዉ ሰበ-ስልጣን ፈደራል መንግስቲን መራሕቲ ህወሓትን ግን ነቲ ዅነታት እንተመሓየሹን ብሰላማዊ መገዲ እንተ ፈትሑን ብምባል ተወሳኺ ግዜ ክህቦም ከም ዝወሰነ የመልክት።

በዚ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ማዕቀብ ዝተገብረሎም ኣካላት፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት፡ ማዕከን ሕድሪ ከምኡ’ውን ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ’ዮም።

ብመሰረት ወሪዱ ዘሎ መምርሒ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ንብረት እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላትን ወልቀሰባት ዝዀኑ ናብ ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ጨንፈር ንብረት ወጻኢ ሪፖርት ክግበር ዝእዝዝ’ዩ።

ብቤት ጽሕፈት ኣንቶኒ ብሊንከንን ክፍሊ ገንዘብን ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ እገዳ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ወይ’ውን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ’ቶም ነቲ ኲናት ዘጋድዱ ዘለዉ ኣባላት ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ወሲኹ ከኣ እቲ መግለጺ ተበይኑ ዘሎ እገዳ ንሰላማዊ ህዝቢ ከይትንክፍን ንንግዲን ልውውጥን ፍርያት ሕርሻ፡ መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ መሰረታዊ ቀረባት ከም ዘይጸሉን ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG