ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይደንን ዚንፒንግን ዝመጽእ ሰሙን ብማንዛ ክራኸቡ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ

This combination image shows US President Joe Biden in Washington, Nov. 6, 2021, and China's President Xi Jinping in Brasília, Brazil, Nov. 13, 2019.
This combination image shows US President Joe Biden in Washington, Nov. 6, 2021, and China's President Xi Jinping in Brasília, Brazil, Nov. 13, 2019.

ናይ ዩኤስ ፕረሲደንት ጆ ባይደንን ናይ ቻይና መራሒ ዢ ዚንፒንግን ዝመጽእ ሰሙን ብማንዛ ክራኸቡ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ። እዚ ርክብ ዝስማዕ ዘሎ ኣብ መንጎ`ዘን ኑክሌር ዝዓጠቓ ክልተ ሃገራት ውጥረት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን`ዩ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃዋስ ካሪን ያን ፒየር፡ ቅድሚ ምውዳእ `ዚ ዓመት ብማንዛ ንክራኸቡ ብመርህ- ደረጃ ምስምሞዖም ብሰኑይ ንሪፖርተራት ሓቢራ ኔራ`ያ። ዕላማ`ቲ ዋዕላ ድማ፡ ብጠንቂ ምስሕሓብ ጉዳይ ንግድን ወተሃደራዊ ንጥፈታትን ናብ ግጭት ካብ ምእታው ንምክልኻል ምዃኑ ሰበ-ስልጣን ዩኤስ ገሊጾም ኣለዉ።

ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተዛረበ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ቻይና ብወገኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ምድላዋት ምርኻብ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብቐረባ ክዘራረቡ ምጽንሖም ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG