ዓቢይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ፡ 700 ሜጋዋት ኤለክትሪክሲቲ ከመንጩ ትጽቢት ከም ዝግበር ሎሚ ሓሙስ ሓደ ላዕላዋይ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ንሱ ድማ ንምንጪ ሓይሊ ኤለክትሪክ`ታ ሃገር ብ14 ሚእታዊ ከምዘዕብዮ ተገሊጹ`።
ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጽዑቕ ልዝብ`ያ ከሪማ- ምስተን ሻቕሎት ሕጽረት ማይን ውሕስነትን ዝተሓሳስበን ሃገራት። ገና`ውን ኣብ ምሉእ ስምምዕ ኣይተበጽሐን።
ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ዩኤስ ዝሓለፈ ሓምለ ክዛረብ ከሎ፡ ምምላእ `ቲ ሓጽቢ ውጥረት ናይ ምልዓል ተኽእሎ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩሎም ወገናት በይናዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ ኔሩ`ዩ።
ኢትዮጵያ ድማ ንቐረብ ሓይሊ ኤለክትሪክን ልምዓታዊ ዕብየትን`ታ ሃገር ኣዝዩ ከምዘገድሳ ብምግላጽ: እቲ ስራሕ ክተሳልጦ ከላ ግን ንረብሓታት`ተን ኣብ ታሕታዋይ ተፋሰስ ዘለዋ ሃገራት`ውን ኣብ ግምት ተእቱ ምዃና ክተፍልጥ ጸኒሓ`ላ።