ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቢይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ 700 ሜጋዋት ኤለክትሪክሲቲ ከመንጩ ከምዝጅምር ተገሊጹ


GERD
GERD

ዓቢይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ፡ 700 ሜጋዋት ኤለክትሪክሲቲ ከመንጩ ትጽቢት ከም ዝግበር ሎሚ ሓሙስ ሓደ ላዕላዋይ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ንሱ ድማ ንምንጪ ሓይሊ ኤለክትሪክ`ታ ሃገር ብ14 ሚእታዊ ከምዘዕብዮ ተገሊጹ`።

ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጽዑቕ ልዝብ`ያ ከሪማ- ምስተን ሻቕሎት ሕጽረት ማይን ውሕስነትን ዝተሓሳስበን ሃገራት። ገና`ውን ኣብ ምሉእ ስምምዕ ኣይተበጽሐን።

GERD
GERD

ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ዩኤስ ዝሓለፈ ሓምለ ክዛረብ ከሎ፡ ምምላእ `ቲ ሓጽቢ ውጥረት ናይ ምልዓል ተኽእሎ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩሎም ወገናት በይናዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ ኔሩ`ዩ።

ኢትዮጵያ ድማ ንቐረብ ሓይሊ ኤለክትሪክን ልምዓታዊ ዕብየትን`ታ ሃገር ኣዝዩ ከምዘገድሳ ብምግላጽ: እቲ ስራሕ ክተሳልጦ ከላ ግን ንረብሓታት`ተን ኣብ ታሕታዋይ ተፋሰስ ዘለዋ ሃገራት`ውን ኣብ ግምት ተእቱ ምዃና ክተፍልጥ ጸኒሓ`ላ።

XS
SM
MD
LG