ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ክልል ኣምሓራ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ምፍጻሞም ዝገልጽ ሪፖርት ኣውጺኡ


AMNESTY INTERNATIONAL logo

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ክልል ኣምሓራ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ምፍጻሞም ዝገልጽ ሪፖርት ኣውጺኡ።

ኣምነስቲ ፡ ቃለ-መጠይቕ ዝገበረለን ደቀንስትዮ ከተማ ንፋስ ምውጫ 16 ክኾና ኸለዋ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ግን እተን ዝተዓመጻ ልዕሊ 70 ምዃነን ይገልጹ`ለዉ።

ህወሓት ዝሓለፈ ክፍላ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንእትርከብ ንፋስ-መውጫ ሒዙሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 16 ደቀንስትዮ ብዕጡቓት ህወሓት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከም ዝተዓመጻ ምስምዑ፡ ሪፖርት ኣምነስቲ ይገልጽ።

ኣምነስቲ ቃለ-መጠይቕ ዝገበረለን 16 ደቀንስትዮ፡ ብዘይካ`ቲ ኣብ ልዕሊኤን ዝተፈጸመ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ኣጸያፊ ጸርፍን ማህረምትን ከምኡ`ውን ስርቂ ንብረት ከምዘጋጠመን ምግላጸን እቲ ሎሚ ዝወጸ ሪፖርት ሓቢሩ`ሎ።

እተን ደቀንስትዮ ብጉጅለ ከምዝተዓመጻ`ውን ተመሳሳሊ ዝኾነ ዝርዝር ሓበረታ ምሃበን ጠቒሱ`ሎ። ከምኡ`ውን ዕጡቓት ህወሓት፡ ኣብ ንፋስ መውጫ ንዝርከብ ትካላት ሕክምና ከምዝዘመትዎን ከምዘዕነውዎን ኣምነስቲ ኣፍሊጡ`ሎ።

እተን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ነቲ ተሓላቒ መሰል ጉጅለ ክገልጻ ከለዋ፡ እቶም ዕጡቓት፡ ዓሌታዊ ጸርፍን፡ ጨካን ተግባራት መጥቃዕትን ይጥቀሙ ምንባሮምን፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቀን ከይተረፈ ከምዝዓመጽወን ምግልጻን ኣምነስቲ ሓቢሩ`ሎ።

ሓለፍቲ ህወሓት ነቲ ገበን ክምርምርዎን፡ ነቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ካብ ሰራዊቶም ከውጽእዎምን ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ`ሎ።

ዋና ጸሓፊ ኣምነስቲ ኤግን ካላማርድ ብዛዕባ`ቲ ገበን ክትገልጽ ከላ፡ "ካብተን ግዳያት ዝሰማዕናዮ ምስክርነት፡ ብዕጡቓት ህወሓት ዝተፈጸመ ግናይ ተግባራት፡ ብደረጃ ገበናት ኩናት ዝርአን፡ ከም ገበናት ጸረ-ሰብኣውነት ክቑጸር ተኽእሎ ዘለዎን`ዩ " ኢላ። " ካብ ሞራልን ካብ ሰብኣውነትን ኣዝዩ ዝርሓቐ" በደል ምዃኑ`ውን ትገልጽ ዋና ሓላፊት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል።

ወሃብ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ቅድሚ’ቲ ጽሑፍ ምዝርጋሑ ብትዊተር ኣብ ዝፈነዎ ግብረ-መልሲ፡ “ዘይሻራዊ ንምምሳል ንምትዕርራይ ዝተገበረ ፈተነ፡” ክብል ነቲ ጽሑፍ ነጺጎሞ ኣሎ።

ቪኦኤ ክፋሊ ኣምሓርኛ`ውን ምስ ገለ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ ኔሩ። ጓል 50 ዓመት ነባሪት ንፋስ መውጫ፡ ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ክትገልጽ ከላ፡ ካራን ቦምባን ዝሓዘ ናብ ገዛይ ኣትዩ እንተ ተንቀሳቒስኪ እግርኺ ክቆርጸኪ`የ ኢሉ ኣፍሪሑ ዓሚጹኒ ትብል።

ካልእ ጓል 30 ዓመት ግዳይ ድማ፡ 3ተ ወይ ኣርባዕተ ዝኾኑ ዕጡቓት ናብ ገዛይ ኣትዮም ክንቀትለኪ ኢና ኢሎም ብጠበንጃ ኣፈራሪሖም ኣብ ቅድሚ ደቀይ ብጉጅለ ዓሚጾምኒ፡ ንወዲ 8ተ ዓመት ቆልዓይ`ውን ጎዲኦምለይ ትብል። ናታ ኣውያት ሰሚዓ ክትሕግዛ ዝመጸት ጎረቤት `ውን ንባዕላ በቶም ዕጡቓት ከምዝተዓመጸት ትገልጽ።

ሰበ-ስልጣን ክልል ኣምሓራ ኮኑ ሰበ-ስልጣን ፈደራል፡ ብዕጡቓት ህወሓት ኣብ ንፋስ መውጫ ዝተዓመጻ ደቀንስትዮ ቁጽረን ካብ 71 ክሳብ 73 ከምዝበጽሕ ይገልጹ።

ኣምነስቲ ኢንተናሽናል ኣብቲ ሪፖርቱ፡ እቶም ተዋጋእቲ ህወሓት ነተን ደቀንስትዮ ድሕሪ ምዕማጾም ንብረተን ምዝራፎም ምስምዑ`ውን ጠቒሱ`ሎ። ሓንቲ ትዕግስቲ ትብሃል ካብ መንጎ ግዳያት ሓንቲ፡ እቶም ዕጡቓት ብዕለት 12 ነሓሰ ፡ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም፡ ካብ ዝነበራ ድኳን ዘሚቶም ወርቃ ከይተረፈ ከምዝወሰዱላ ትገልጽ።

ካብ መንጎተን ኣምነስቲ ዘዛረበን 16 ደቀንስትዮ ኣተን 15፡ ድሕሪ`ቲ መጥቃዕቲ ብናይ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸገማት ጥዕና ይሳቐያ ከምዘለዋ ገሊጸን ኣለዋ።

ኣምነስቲ ኣብቲ ሪፖርቱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ`ውን ነተን ጾታዊ መጉዳእቲ ዝወረደን ደቀንስትዮ ኣብ ምሕጋዝ ክቀላጠፍ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ`ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG